ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ ንግልጋሎት እቲ ቤት ፅሕፈትን ዝዉዕሉ ካብ ናይ 2008 ዓ/ም በጀት ዕድጊት

ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ

ሎት 1 ኤሌክትሮ መካኒካል መለዋወጢ አቁሑት ስፔር

ሎት 2 ናይ ዝተፈላለያ መካይንን ጀኔረተርን መለዋወጢ ኣቁሑ ስፔር

ሎት 3 መሳርሒ ቧንቧ ማለት እዉን plumpers hand tools

ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 በቲ ሐደሽ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ (TIN NO) መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ መወደእታ ወርሒ ሒሳብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ

4 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ (ስፐስፊኬሽን) መሊኡ ክተቅርቡ አለኩም እቲ ንብረት ኣብ ስቶክ ዘለዎ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ተከታታልቲ መዓልቲታት ክቀርብ አለዎ መቅረብቲ ካብ 30 መጋቢት 2008 ዓ/ም ክሳብ 10 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

5 መክበሪ ጨረታ ንሎት 1: 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ንሎት 2 :10000 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ)ን Â ንሎት 3: 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ከምቲ ናይ ተጫራታይ ድሌት ብ CPO ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ክፍሊት መዘዚ ቼክ ወይ ናይ ባንኪ ዉሕስና ቅድሚ እቲ ፖስታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 ጨረታ ዝዕሸገሉ 10 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ 4:00 ኻይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረከቡ ነቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይተአጓጎልን

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ

8 ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫረቲ እቲ ዘቀረበዎ ዋጋ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ደሌት መግለፂ ጥራሕ ክመልእዎ አለዎም

11 ነብስ ወከፍ ገፅ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካልኩም ክዓርፎ አለዎ

12 አድራሻ ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕን ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 4440 73 35 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል እዩ

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo