ማሕበር ልምዓት ትግራይ Deployment and Implementation of Organizational Capacity Development and Standardization ዝብል ፕሮጀክት ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ Deployment and Implementation of Organizational Capacity Development and Standardization ዝብል ፕሮጀክት ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ

ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

3. ቫት (VAT) ወይ ቲ ኦ ቲ (IOT) ተመዝጋቢ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሚያዝያ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርብ ዝኽእል፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 5,000.00 ከቕርብ ዝኽእል፡

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር

እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

11. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

12. እዚ ጨረታ ዕለት 19/10/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo