ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ጣብያታት ዓዲ ጎሽን ማይ ወይኒን 6 ናይ ሓባር ዒላ ብደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት እተማልኡ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን
  3. ብማይ ተንከፍ ስራሕቲ ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለዎ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ዘቅርብ
  4. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን
  5. በቲ ዘፈር ሕጋዊ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእ
  6. ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ዝተዉሃበ ናይ በዓል ሞያ መለለየ ካርድ
  7. ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  8. ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  9. ወዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልትታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
  10. ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካል ፋይናንሻልን ሕድሕድ ዋና ምስ ሕድሕድ 2 ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ 6 ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ግዴታ አለዎም
  11. ተወዳደርቲ ብቲ ቤት ዕዮ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይክእልን ብተወሳኪ ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲዝምላእ ሰነድ ናይቲ ትካል ማሕተምን ፊርማን ዘይገበረ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  13. ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 27 መጋቢተ 2008 ዓም ክሳብ 11 ሚያዝያ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ
  14. 12 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 3፡00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይክፈት
  15. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183/0344480087 ብምድዋል ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo