ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ዘገልገሉ ንብረታት ማለትዉን አቁሑት ኤለክትሮኒክስ መፅሓፍቲ ሓፂን መፂን ጣዉላታትን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዕለት 23 መጋቢት 2008 ዓም ክሳብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ብመዉሳድ ክትሳተፉ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

 በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

1 ፍቃድ ንግዲ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ክጫረት ይክእል

2 መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

3 ተጫራታይ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10% ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ቅድሚ ዉዕሊ ምእሳሩ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ብምእሳር ንብረት ከልዕልን እቲ ንብረት በቲ ዝተአሰረ ዉዕሊ ተዘይ አልዒሉ በቢመዓልቱ 1 ቅርሺ ካብ 1000 ቅርሺ ይቅፃዕ

5ተጫራታይ ብጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናይ ጉልበትን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ይሽፍን

6 ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ኩሓ ሙሉእ ቀዳማይብርኪ ኪሮስ ገሰሰ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወልደ ንጉሰ ምርኣይ ይከኣል

7 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ካብ ዕለት 23 መጋቢት 2008 ዓም ክሳብ 10 ሚያዝያ 2008 ዓም ምእታዉ ይከኣል

8 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ ናይ በዝሒ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ አሎ

9 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 10 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ሰዓት ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0942274781 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo