መተሐባበሪ ቢሮ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሎካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበካ ዓዲግራት ንዝተፈለለዩ ናይ ሕበረተሰብ ተጠቀምቲ እታወት ዝባፃሕ ምግቢ ንምጎዓዝ ናይ ፅዕነት ግልጋሎት መጎዓዝያ ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ብምዉድዳድር ን 6 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ዋጋ መሰረት ብምግባር ዉዕሊ ብምእሳር ናብ ዞም ዝተጠቀሱ ቦታታትዝዉዕል ንምጎዕዓዝ ወይ ንምፅዓን ብምዉድዳር ግልጋሎት መጎዓዝያ ክረክብ ይደሊ

መተሐባበሪ ቢሮ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ክልል ትግራይ

1 በዚ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ ዘለዎም

2 ሕጋዊ ተከታተልቲ ቅብሊት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ መኪና ሌብሪ ከምእዉን ኢንሹራንስ ማለት እዉን ዉሕስና ዘለዎ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግልደቂ ፍቅሪ መተሐባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ቀዳማይ ደብሪ  ክወስዱ ዝክእሉ

5 ብመቅረባይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቅርቦ ናይ ዋጋ መዉሃብ ቅጥዒ ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን

6 ኣብ ሐደ መዓልቲ ልዕሊ ሐደ መኪና እንተድሊ ዘድሊያ በዝሒ መካይን ከቅርብ ዝክእል

7 ንሽድሽት ወርሒ ዝፀንሕ ዋጋ መሰረት ገይሩ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ትካልና ናይ ግልጋሎት ሕቶ እንትቀርብ ኣብ ዝተሐተ እዋን ከቅርብ ዝክእል

8 ናብዞም ኣብ ዋጋ መዉሃቢ ዝተጠቀሰ ንምጎዕዓዝ ኣብ ዝተደለየ እዋን ግልጋሎት ክህብ ዝክእል

9 ተጫረቲ ብሽም ትካልና 50000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ምስ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ከእተዉ ዝክእል

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብመምርሒ ተጫረቲ መሰረት ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ናይቲ ተካል ሽም ኣድራሻ ማህተምን ፊርማን ገይሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 28/9/2016 ዓም ክሳብ 5/10/2016 ዓም ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ መተሐባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ክትገብሩ ይግባእ

11 እቲ ጨረታ ዕለት 5 /10/2016 ዓም  ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ መተሐባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ይክፈት

12 አብ እዋን ምክፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተሃለዉ ይምረፅ

13 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ እ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo