ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዛና ንግልጋሎት ኣብያተ ፅሕፈት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዛና

ጨረታ ብሬዲዩ ዝተጋወሐሉ 24/9/2016 ዓም እዩ

1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ከፊሎም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

2 ዝተሐደሰ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን መቅረባይነትን ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

3 ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳአታ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዛና ክወስዱ ይክእሉ

5 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 13/9/2016 ዓም ከሳብ 28/9/2016 ዓም ኮይኑ 28/9/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወከለቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ቤተ ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914435341

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo