ቤት ፅሐፈት ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ (Tigray Emergency Response) ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ድረጅኡን ፅሬቱን ዝሓለወ 1ይ ደረጃ ምሸላ ባሕሪ ንምዕዳግ ኣውፅኢዎ ዝነበረ ጨረታ ተቐመጡ ዝነበረ ግዜ ብምስትኽኻል (ናይ ግዜ ጥራሕ ምምሕያሽ ብምግባር) ከቅርቡ ዝኽእሉ መቕረብቲ ብግልፂ ጨረታ ክወዳደሩ ይዕድም።(ናይ ወዛደር መፅዓኒ ዋጋ ሓዊስካ ይምላእ)

ቤት ፅሐፈት ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ

ዝተመሓየሽ ጨረታ ምልክታ

ቤት ፅሐፈት ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ (Tigray Emergency Response) ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ድረጅኡን ፅሬቱን ዝሓለወ 1ይ ደረጃ ምሸላ ባሕሪ ንምዕዳግ ኣውፅኢዎ ዝነበረ ጨረታ ተቐመጡ ዝነበረ ግዜ ብምስትኽኻል (ናይ ግዜ ጥራሕ ምምሕያሽ ብምግባር) ከቅርቡ ዝኽእሉ መቕረብቲ ብግልፂ ጨረታ ክወዳደሩ ይዕድም።(ናይ ወዛደር መፅዓኒ ዋጋ ሓዊስካ ይምላእ)

ተ.ቁዓይነትመዐቐኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋ
1ምሸላ ባሕሪ(ዕፍን)ኩንታል25,000

መተሓሳሰቢ፦ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ፦

1. ብበዓል 100 ኪሎ ኬሻ(ትርሽዋ)(100kg bag) ጥራሕ ከቅርብ ዝኽእል

2. ተወዳዳሪ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ቲን ቁፅሪ፣ ምስቲ ጨረታ ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ኣለዎ ።

3. ተወደደርቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 19/09/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ጨረታ (ብነፃ) ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 380 ምውሳድ ዝካኣል ኮይኑ _ ዕለት 24/09/2016 ዓ/ም ስዓት 4:00 ተዓሽጉ ብተመሳሰሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝርከብሉ ይኽፈት፣እተዘይተረኪቦም ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቐፍን ።

4. ተወደደርቲ ዝወሰድዎ ጨረታ ሰነድ ማህተም ዝዓረፎን ዝተዓሽገ ኣርጅናልን ሓደ ፎቶ ኮፒን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 380 ኣብ ዝረከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም ።

5. መክበሪ ጨረታ ብር 500,000 ብሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

6. ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳደሪ ትከል /መቅረበይ / ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀመሩ ኣብ ውሽጢ 2ተ መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላለ ዋጋ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል ። እንዘይኣሲሩ ግን መኽበሪ ጨረታ ይውረስ።

7. ዝሰዓረ ትካል /መቕረባይ/ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10ተ መዓልቲ ጠቅሊሉ ከቅርብ ዝኽእል ዝኸእል።

8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብምሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo