ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ኣብ 2016 ዓም ናይ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ፅሕፈት መሳርሒ: እሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ወረዳ ኣሕፈሮም

1 ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ፍቃድ ዝሐደስኩም ካብ ልምዓት እቶት ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ዘፍለጥክምሉ ዲክለር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገበ ቲን ናምበር ቁፅሪ ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዘይምለስ ንሕድሕድ 100 ቅረሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ንሕድሕድ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ዉዕሊኣሲሩ ዋና ንብረት ክተቅርቡ እትክእሉ ክትጫረቱ ይዕድም

7 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ካብ 16/9/2016 ዓም ኩሉ ግዛ ኣብ ስራሕ ሰዓት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክተእተዉ እትክእሉ

9 ብክልተ ፖስታ ነናይባዕሉ ፖስታ ክተእትዉ እትክእሉ

10 ጨረታ ዝዕፀወሉ 30/9/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ይከዉን ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 30/9/2016 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይከዉን

11 እዚ ዋጋ እዚ ን 15 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914134672 0925307592

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo