እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ አብናይ 2008 በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና መደበኛን ሓፂር ስልጠናን ዉሽጢ እቶት በጀት ካፒታል ንንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት 1 ናይ ህንፃ : ሎት 2 ናይ ፕላንቢንግ : ሎት 3 ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ሎት 4 ኤሌክትሪክ : ሎት 5 ናይ መኪና ስፔርፓርት /ኣዉቶሞቲቭ/ ሞተር ሳይክል ስፔርፓርት: ሎት 6 ፅሕፈት : ሎት 7 ናይ ፅሬት : ሎት 8 ናይ ሕትመት :ሎት 9 ስፖርት ዕጥቂ : ሎት 10 ፈርኒቸር :ኣብ 10ተ ምድብ መቂሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕደጋ ክፍፅም ስለዝደለየ ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትሳተፉ ይዕድም

ኮሌጅ ቴክኒክ እንትጮ
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድኩምን ግበሪ ዝከፈልኩምን
  2. ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቲን ናምበር ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉ
  3. ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ዘለኩምን ናይ ወርሒ የካቲት 2008 ዓም ድክሌረሽን ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. ተጫረቲ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉዝተዳለወ ዶክመንት /ሰነድ/ ዘይምለስ 30 ብር/ሳላሳ ብር/ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ባዕሉኩም ወይ ከዓ ብሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ እትክእሉ
  5. ንሕድሕድ ዓይነት መደብ ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ መሳርሒ ህንፃ 15001 ቅርሺ : ነንሕድሕዶም ናይ ፕላምፒንግ : ኤሌክትሮኒከስ : ናይኤሌክትሪክ : ናይ ኣዉቶሞቲቭ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት : ናይ ፅሕፈት : ናይ ፅሬት : ናይ ሕትመት : ናይ ፈርንቸር ነንሕድሕድሞ 3000 ብር ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስም እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ዝተፅሓፈ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ጥረገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ::
  6. Â ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ በዓል ዋና ስምን ፌርማን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ብምግባር ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ መወዳደሪ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ናይ ዋጋ ምዝባዕ ዘለዎ እንተቀሪቡ እቲ ጨረታ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን አብ 2 ፖስታ ብምዕሻግ ካብ ዕለት 26/07/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 11/08/2008 ዓ/ም ስዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ አብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ነዚ ጨረታዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ::
  7. ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳቤ ወይ ብስልኪ ምስ ተለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን መክብሪ ዉዕሊ 10% ከትሕዝ ዝክእል ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳረ ድማ ኣብ ተከታታሊ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅሊሉ 100% ከቅርብ ዝክእል
  8. Â ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራ ብባዕሉ/ብሕጋዊ ወኪሉ/ አቢሉ ብቴክኒክነ ኮሚቴ ፅሬቱ እናተረጋገፀ አታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 26/07/08 ዓ/ም ክሳብ 11/08/08 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ንጉሆ ይከዉን
  10. ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/08/08 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 5:00 ይከዉን
  11. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11/08/08 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 5:30 ይከዉን
  12. ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ እዚ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
  13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0919042301 ሞባይል 09 27 75 51 78 ደዊልከ ምሕታት ይካአልÂ Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo