ደደቢት ትካል ልቓሕ ዕቋርን /ደደቢት ትፈልም/ ኣብ ከተማ አላማጣ: ማይጨዉ :ዉቅሮ :ሽረ እ/ ስላሴ : ሸራሮን ሑመራን ዝርከብ /G+2/ በዓል ክልተ ደብሪ ህንፃ ሙሉእ ፅገና ንምግባር ዝተቋረፀ ናይ ወርዲያ ገዛ ሽንቲቤት ሓፁር ሳይት ዎርክ ክሳተፍ ዝደልዩ ደረጃ BC/GC-6ን ልዕሊኡን ዘለኩም ናይ ህንፃ ኮንስተራክሽን ተኾናተርቲ ክትጫረቱ ይዕድም

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ምስክር ወረቀትን ንግዲ ምዝገባ ምስክርነትን Â ግብሪ ከፍሊ ምዝገባ ሰርተፊኬት/TIN/ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለሬሽን ኮንስትራክሽን /ተኾናታራነት/ ምዝገባ ካርድን ከቅርብ ዝክእል

2 ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና /Unconditional guarantee , Validity date 9 cal.days/ ወይ ስፒኦ ብር 80,000 /ሰማንያ ሽሕ ብር/ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሪ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሚኢትን ሰማንያን ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 21/07/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 01/08/2008 ዓ/ም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 409 ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 150 /ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ብር/ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክትገዝኡ ትክእሉ ምካንኩም

5 ሐደ ተጫራታይ ካብ ሐደ ሎት /ፕሮጀክት/ ንላዕሊ ኣብ ናይ ደደቢት ትፈልም ህንፃ ስራሕ ክጫረት ዘይክእል ምካኑ ክፈለጥ ዘለዎ ኾይኑ ምግዛእ ግን ካብ ሐደ ንላዕሊ ይከኣል እዩ

6 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኡ ሕድሕድ ገፅ ደኩሜንት ፈሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ዘየጎደሉ ከቅርቡ ዝተጎደለ ብትክልል ዘይተመልአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝግበር እዩ

7 ተጫረቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ናይ ደደቢት ማ/ፋይናንስ ዉዕሊ አሲሮም ዘቆረፁ ወይ በቲ ዝድለ Â መዓልቲ ዘይወድኡ ኮንትራክተራት ክጫረቱ ኣይኽእሉን እንተተጫሪቶም እቲ ትካል ንተጫረቲ ካብ ጨረታ ክስረዝ እዩ

8 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንስ ሐደ ኦርጅናል : ሐደ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት/CPO/ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ አብ ካልእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ላዕሊ እቲ ዓብይ ብዝርአ ፖስታ ቀለም ብምፅሓፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ 4ይ ደብሪ ዋና ቢሮ ቁፅሪ 409 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ይከዉን እቲ ጨረታ ዕለት 1/08/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ዕለት 1/08/2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ንግሆ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትፈልም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ እቲ ጨረታ ክኽፈት እዩ

9 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማ ፋይናንስ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 518 ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 4102 50 ብምድዋል ምርካብ ይክእሉ እዩም

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo