ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ብናይ 2016 መደበኛ በጀት ኣብ ወረዳና ንዝርከባ ንዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒክስ : ናይ መኪና ጎማን ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ

1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ከፊሎም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ብቃዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብርና:  ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነተ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

3 ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒክስ : ናይ መኪና ጎማን ኣቅሑትን እትሳተፉ ተወዳደርቲ ተወሳኪ አሴት ታክስ ምዝጉባተ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ሪፖርት ዝገበርክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት መረደእታ ዋናን ምስ ቅዳሕ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዓሺግኩም ክትቅርቡ እትክእሉ

5 ተወዳደርቲ ካብ 12/9/2016 ዓም ጀሚርኩም ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ከተማ እናዳባጉና ጥቃ ወረዳ ፅምብላ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ኣብ ስራሕ መዓለቲ እናመፃእኩም ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊእኩም ኣብ ከይዲ ስራሕና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ክትገብሩ እትክእሉ

6 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 12/9/2016 ዓም ከሳብ 27/9/2016 ዓም ሰዓት ኮይኑ ሳነዱቅ ጨረታ ዕለት 27/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከተማ እናዳባጉና ጥቃ ወረዳ ፅምብላ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን ይክፈት

7 ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ መወዳደሪ ጨረታ ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ማሕተሞም ፊርማን ዕለትን ብግልፂ ክህልዎ አለዎ

8 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ሃሊዎ ዘይተፈመ ሰነድ ጨረታ ዘቅረበ ተወዳደሪ ተቀባልነት የብሉን

9 አብዚ ወድድር ሰዓርቲ ዝኮኑ መቅረብቲ ናይ ስዓርዎ ኣቅሑት 10 ሚእተዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ይግባእ

10 ተወዳደርቲ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሐፈት ኤሌክትሮኒክስን ናይ መኪና ጎማን ነኒባዕሎም 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

11 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 20 መዓልቲታት ይከዉን

12 ኣብዚ ጨረታ ሰዓርቲ እትኮኑ ተወዳደርቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ፅሬት ዘለዎን ብመሰረት መዓቀኒ ረቆሓን ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታት ብምሽፋን ኣብ ከተማ ዳባጉና ጥቃ ምምሕዳር ወረዳ ፅምብላ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ፀለምቲ ዕቀባ ንብረት ኣምፂኡ ዘረከብ

13 ቤት ፅሕፈትና አብ ነብሰ ወከፍ ዓይነት ንብረት 20 ሚእተዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0919023970  0914782247  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo