ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ አብ ታሕቲ ብምድብ ተጠቂሶም ዘለዉ አገለግሎትን ኣቅሑትን ክዕድግ ስለ ዝደለየ አብዚ ግልፂ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት ይዕድም

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ምድብ ሐደ ስራሕቲ ሕትመት  ፡  ምድብ ክልተ አገልግሎት ኪራይ መኪና   ፡  ምድብ ሰለሰተ ናይ ኮምፒተራትን ተዛመድትን ኣቅሑት

1 ናይ 2016 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ምዝገባ ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ንአገልግሎት ኪራይ መኪና ድማ ሊብሬ ከቅርብ ዝክእል

5 መክበሪ ጨረታ ንነብሰከፍ ምድብ 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብፖስታ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ካብ 13 ጉንበት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፅንሕ እንትከዉን ዕለት 28 ጉንበት 2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ዝርዝር መረዳእታ ከቅርብ አለዎ

9 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር

10 ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

11 ሰዓራት ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል አገልግሎት ኪራይ መኪና ኣብ ወረዳ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ይከዉን

12 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ብተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo