ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘገልገለ ንብረት ናይ መኪና ጎማ፣ ናይ ኤሌከትሮኒክስ ፣ ፣ ፕሪንተራት፣ ላፕቶፕ፣ ናይ ጋሻ ወንበር፣ ተሽከርካሪ ወንበርን ዝተፈላለየ ሓጭን መጭንንኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ 01 ዝውገዱ ንብረታት

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘገልገለ ንብረት ናይ መኪና ጎማ፣ ናይ ኤሌከትሮኒክስ ፣ ፣ ፕሪንተራት፣ ላፕቶፕ፣ ናይ ጋሻ ወንበር፣ ተሽከርካሪ ወንበርን ዝተፈላለየ ሓጭን መጭንንኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።  ስለዚ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትረቱ ይዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሕታት

1. ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሽጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 16/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዘእትው።

2. ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 50.00(ዓሰርተ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 07/09/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/09/2016 ዓ/ም ኣብ ተከታታሊ መዓልቲ ምውሳድ ይከኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ 2000.00

4. 0 /ሓደ ሽሕ ብር/ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ CPO ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ።

5. እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 16/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ

ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒንጅ ነኒበይኑ ክቀርብ ኣለዎ

6. ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

7. ብመሰረት ዝኣተውዎ ውዕሊ ብዝድለ ፅሬቱ ኣብ ዝተደለየ ግዜ እንተዘይፈፂሞም ተሓታቲ ከምዝኾነ ክፈልጡ ይግባእ።

8. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።

9. ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ምስገበሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን ጉልበትን እቲ ንብረት ከልዕሉ ይግባእ ኮይኑ ግን ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ እንተዘይኣልዒሎም በብ ዕለቱ 1/1000 ብር በብመዓልቱ ካብቲ ዝተሰዓረ ጠቕላላ ውዕሊ መኽበሪ ዝኸፍል ምዃኑ ነፍልጥ።

10. ኣብ ጨረታ ዘሸነፈ ተጫራቲ ውዕሊ ክኣስሩ ኣብ ዝተወሃቦም ግዜ ገደብ ውሽጢ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ ንብረት 2% ናይ ጨረታ ውዕሊ መኽበሪ ንምሓዝ ውዕሊ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም።

11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12. ንዘድሊ ሓበሬታ ዓ - 03 44-41 65 70 /0945825857/0914748486 ሓዱሽ ንፃ ፊትንፈት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo