ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ተረፍ ምህርቲ ዝኾነ ቁርፅራዕ ሓፂን ናይ ሞተር ዊልቸር ምርኩስ በዝሒ ዘለዎ ኣጫቀሪቱ ክሸይጥ ስለዝደለየ

ትካል መቐለ ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእከል

ምልክታ ጨረታ መሸጣ ቁርፅራፅ ሓፂን

ዋኒኑ፣ቁርፅራፅ ሓፂን ኣጫሪትካ ምሻጥ ይምልከት

ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ተረፍ ምህርቲ ዝኾነ ቁርፅራዕ ሓፂን ናይ ሞተር ዊልቸር ምርኩስ በዝሒ ዘለዎ ኣጫቀሪቱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

ግቡእ ተጫራቲ

1- ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ

2- ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

3- ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ

4- ንጨረታ ዝቀረበ ንብረት ብኣካል ቀሪብካ ዜርካ ምርኣይ ተመራፂ ይኾን

* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

* ጨረታ ዝቀርብን ዝካየድን ኣብ ክሊ እቲ ዝተነፀረ ንብረት ብቻ ዝተሓፀረ ይኸውን

* ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን

* ዝሰዓረ ትካል ናይ ባዕሉ ሚዛን ብምምፃእ መዚኑ ከልዕል ይግባእ

* ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ ገንዘብ ከፊሉ ንብረት የልዕል

ኣድራሻ

*ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን ፊት ንፊት ቤት ፍርዲ ወረዳ እንደርታ

ጎኒ ቤ/ዕ ኢሜግሬሽን

ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ- ካብ 06/09/2016-10/09/2016 ዓ/ም

ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት - ዕለት 12/09/2016 ዓ/ም ስዓት 3ተ ናይ ንጉሆ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo