ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሮቆሒታት ብምምላእ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር ( ስፐስፊኬሽን ) መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 01 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቲ ከምትኽእሉ ነፍልጥ

ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ

ምድብ 1 ናይ Green House ቅድሚ ሐዚ ምስርሑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ምድብ 2 ናይ ላብራቶሪ ኬሚካላት ( Laboratory equipment and chemicals )

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ግብሪ ምክፋልኩም ምስክር ወረቀት ኮፒ ክተቅርቡ ትከእሉ

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ቢድ ቦንድ ንምድብ 1 15,000 ቅርሺ ንምድብ 2 10,000 ቅርሺ ብስም ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ አብ መምርሒ ጨረታ ዝተጠቐሰ ብር ወይ C.P.O ወይም ብጥረገንዘብ Â ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ( VAT ) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ የካቲት 2008 ዓ/ም ዲክረርሽን ዝገበርኩምን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ / ኦርጅናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ዝተሐዳሰ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ዝተሐደሰ አቕረባይነት ምዝገባ ምስክር ወረቐት : C.P.O ወዘተ ዝድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከትሓሕዝ ዝክእል::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 01 ዘይምለስ ንሎት 30 ቅርሺ ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽምን ፊርማን አድራሻን Â ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኺ ቑፅሪ 03 44 41 61 22 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 22/ 07/ 2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06/08 /2008 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 06/ 08/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት አብቲ ዕለት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑዕሪ 01 ይኽፈት የኹን እምበር ተጫረቲ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጎጎልን::

8 ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo