ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕል ትርጉም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ትርጉም ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕል ትርጉም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ትርጉም ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፤ ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 1,000(ሓደ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም

ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአላ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 50 ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት 01/9/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 12/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት።

6. ጨረታ ተረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኽፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኸቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

11. ኣድራሻና ኣብ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

13. እዚ ጨረታ ኣሸናፊ ኮይኑ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/10/2016ዓ/ም ውዕሊ ዝእሰር ይኸውን ።

14. እዚ ውድድር ዝካየድ ብጥቅላለ ድምር ምኻኑ ነፍልጥ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo