ዘፈር መንግስታዊ አገልግሎት ወረዳ ማእከል አድያቦ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ጣብያ ከተማ ዓዲሃገራይ ዋንነቱ ንቤት መዘጋጃ ዓዲሃገራይ ዝኮነ ሐደ ብሎክ ህንፃ ኣብ መጀመሪያ እቲ ህነፃ ዝስረሐሉ ቦታ ዝረከብ ፅገና መንገዲ መፍለይ ቁፅሪ ዕደጋ 1 / 2016 ኣብ 2016 በጀት ዓመት ንክስራሕ ብናይ ቤት መዘጋጃ ዓዲሃገራይ በጀት ተታሒዝሉ አሎ በዚ መሰረት ደረጃ 8 ብርኪ ፍቃድ ኣናእሸተይ ጠቅላላ ኮንትራክተር GC ዘለዎም ማሕበራት ስራሕ ተኮናተርቲ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ዘፈር መንግስታዊ አገልግሎት ወረዳ ማእከል አድያቦ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ስራሕቲ ህንፀት

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ዋናን ዘይ ምለስ ቅዳሕን ብቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልመዓት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ወረቀት ምስክር ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ተመዝጋባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ኣዋርሕ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ወረቀት ምቅረባይነት ወረቀት ፍቃድ ንግዲ ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ኮንስትራክሽን ተካናታራይነት ምስክር ወረቀተ ከቅርቡ አለዎም

2 ተጫረቲ አብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ደረጃ 8 ብርኪ ፍቃድ ኣናእሸተይ ጠቅላላ ኮንትራክተር ማለት እዉን GC ብርኪ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተገለፀ ፕሮጀከት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና ብበሄራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 50000 ከቅርቡ አለዎም

4 ብጥር ገንዘብ ዘቅርቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ብግዚያዊ መፅንሒ ቅብሊት ሰነድ ቆሪፆም ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 170 ተከታታሊ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክብ አለዎም

6 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 22/8/2016 ዓም ካብ ዘፈር መንግስታዊ አገልግሎት ወረዳ ማእከል ኣድይቦ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ኣድላይ መረእታ ብምሓዝ እቲ ሰነድ ጨረታ ብነፃ ክወስዱ ይክእሉ እዩም ማለት እዉን ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ቅዳሕ ገይሮም ክወስዱ ይክእሉ እዩም

7 ተጫረቲ ናይ ዝጫረተሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሐዘ ሰነድ ሐደ ዋና ናይ ጨረታ ዉሕስና ክልተ ቅድሓ ዝርዝር መዓቀኒ መጠቃላሊ ዋጋ ምስ ሕጋዉነት ርክብ ዘለዎ ሰነዳትን ስፒኦን ነኒበይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ምስ ዓሸጉ ኣብ ካሊ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግን ሽሞም ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን ኣብ ልዕሊ ነብስ ወከፍ ፖስታን ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፃሕፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱ ቅ ጨረታ ክሰብ 12/9/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምካድ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 12/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘፈር አገልግሎት ወረዳ ማእከል ኣድይቦ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ቢሮ ቁፅሪ 3 ይክፈት

8 እቲ ቤት ዕዩ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፍል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914813037

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo