ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ካብ ናይ ስደተኛታት ፅዕንቶ ምለሽ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት ምዕራፍ ክልተ ማለት እዉን DRDP 2 ብዝተረከበ ናይ በጀት ድጋፍ ኣብ ጠብያ ደብሪ ኣባይ ፕሮጀከት ዝርገሐ መስመር መስተ ማይ ብናይ ኮንስትራክሽን ፈቃድ ንዘለዎም ኮንትራክተራት አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 በዘፈር ማይ ኮንስትራክሽን ሕጋዊን ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰን ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ማይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ፍቃድ ወይድማ ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ናይ ግብሪ ከፈላይነት መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፈኬት ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ኣዋርሕ ማለት እዉን ካብ ወርሒ ጥሪ እስካብ መጋቢት 2016 ዓም ዘለኩምን ናይዞም ኩሎም ዝተጠቀሱ ዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ከትሕዙ አለዎም

3 መክበሪ ጨረታ 50000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ባንኪ ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 28/8/2016 ዓም ክሳብ 5/9/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ዘለዉ ተከታተልቲ መዓልቲ ሰነድ ብነፃ ምዉሳድ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ ዝሰዓረተ ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዉፅኢት ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ቅሬታ መቅሪቢ ግዚ ምስኣከለ አብ ዘለዉ ሰለሰተ ተከታታሊ መዓልቲ ካብ ጠቅላላ ዋጋ መክበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ሒዚ ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

6 ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫረቲ ነቲ ናይ ማይ ዝርገሐ ኮንስትርክሽን ስራሕቲ መሳርሒታት ተባሂሎም በቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዕድጋ ኮሚቴ ተዓዲጎም ኣብ ማእከል ጣብያ ደብሪ ኣባይ ዝርከቡ ናዉቲ ካብ ማእከል ጠበያ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብቲ ዘድሊ ቦታ ወሲዱ ኣብ ስራሕ የዉዕል

7 ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኣብ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፐ ክሳብ ዕለት 5/9/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረደ ፅምብላ ክበፅሕ አለዎ

8 እቲ ጨረታ ዕለት5/9/2016 ዓም ሰዓት 9:00 ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo