ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፈርኒቸር ናይ አደራሽ ወናብር አቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ክትወዳደሩ እትክእሉ መቅረብቲ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ
  2. ናይ መቅረባይነት ካርዲን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መፍለዩ ማለት እዉን ቲን ነምበር ዘለዎን ቅዳሕ ከተሓሕዝ ዝክእልን
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት ዘቅርብን ቅዳሕ ገይሩ ዘተሓሕዝን
  4. ጨረታ ካብ ዕለት 16 መጋቢት 2008 ዓም ክሳብ 30 መጋቢት 2008 ዓም አብ ዘሎ እዋን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ክፍሊ ቁፅሪ 218 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ናይ ጨረታ መከበሪ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብዝተረጋገፀ ቼክ ሲፒኦ ከቅርብ ዝክእል
  6. ጨረታ ዕለት 30 መጋቢት 2008 ዓም ሰዓት 7፡30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8፡30 ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 218 ይክፈት
  7. ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ድሕሪ 5 ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
  8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 0344443868 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo