ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ጋንታ ኣፈሹም ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ካብ ኣብያት ፅሕፈት ዝተኣከቡ ዘገልገሉ ንብረታትን ዝተፈላለዩ ሐደሽቲ ንብረታትን ንምዉጋድ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

ጨረታ ብሬድዩ ዝተጋወሐሉ  12/8/2016 ዓም

1 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ጋንታ ኣፈሹም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምዉሳድ ይክእሉ

2 ተጫረቲ ንዝጫረተዉ ንብረት 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋገፀ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ጋንታ ኣፈሹም ከትሕዙ ዝክእሉ

3 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

4 ሳነዱቅ ጨረታ ዝረከቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ጋንታ ኣፈሹም ምምዳርን ጋንታ ኣፈሹም እንትከዉን

5 ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ካብ ሚያዚያ 3/2016 ዓም ከሳብ 17/8/2016 ዓም ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

6 ጨረታ 18/8/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለወሉ ይክፈት ብዘይ ምህለዎም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋቱ ኣይተኣጎጎልን

7 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ እቲ በዓል ዋና ፊርማ ከዕርፈሉ አለዎ

8 ሰዓርቲ ጨረታ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ጋንታ ኣፈሹም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲታት እንተዘይኣልዒሎሞ እቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይከዉን

9 ተጫረቲ ናይ ዝከፈለዎ ንብረት ዋላ እንተተከፈለ 6 ኣዋርሕ እንተፀኒሑ እቲ ንብረት ይዉረስ

10 ሚዛን ብተወሳኪ ዘድልዩም እንተሃልዩም እቲ ተጫራቲ ባዕሉ ከርቅብ ኣለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914112986 / 0914763733

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo