ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ንትካልናን ኣብ ግልጋሎት ዊዒሎም ግልጋሎቶም ዝወድኡን ዝተበላሸውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰባበሩን ንምውጋድ - ስለዝደለና በዚ ዘርፊ ስተሰማረኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

ቢሮ ርክብ ህዝቢ መንግስትን ክልል ትግራይ

ምልክታ ጨረታ ናይ ዝውገዱ ንብረታት

ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ንትካልናን ኣብ ግልጋሎት ዊዒሎም ግልጋሎቶም ዝወድኡን ዝተበላሸውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰባበሩን ንምውጋድ - ስለዝደለና በዚ ዘርፊ ስተሰማረኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

መተሓሳሰቢ - ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ማህተም ዝዓረፎ ፖስታ

2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 10/8/2016ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/8/2016ዓ.ም ሰዓት11፡30

3. ተወዳደርቲ በቲ ዘርፊ ዝተሳማረዩ ፣ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዝሓደሱ ፣ ቲን ቁፅሪን መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም።

4. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 16/8/2016ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ጀሚሩ

5. ነዚ ጨረታ መክበሪ ብር 8000/ሸሞንተ ሽሕ ብር / ብጥረ ገንዘብን ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6. እቲ ዝውገድ ንብረት ብኣካል እናመፃኩም ምርኣይ ይከኣል ካብዚ ወፃኢ ካብዚ ወፃኢ በዘይ ተቀባልነት የብሉን።

7. ቤት ፅ/ትና ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰል ኣለዎ።

8. ሰዓራይ ምካኑ ምስፈለጠ ናይቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 2ተ መዓልቲ ኣታዊ ብምግባር ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10* መዓልቲ ብናይ በዓሉ ትራንስፖርት ጠቅሊሉ የልዕል ካብቲ ዝተብሃለ ግዜ ዘየልዐለ ግን ዘእተዎ ገንዘብ ከይተመለሰ ንካልኣይ ግዜ ናብ ጨረታ ይወፅእ

9. ናይዚ ፕሮፎርማ ዋጋ መምልኢ ዝርዝር ዝሓዘ ፎርሚ ካብ ቤት ፅ/ትና ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እና መፃኩም

ምውሳድን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ዝከኣል እንትከውን ቢሮና ዝርከበሉ ቦታ ድማ ፊት ለፊት ኣግኣዚ ባንክ ጎኒ ዘዬርዳኖስ ሆቴልንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ ቑፅሪ 0344409343 ወይ 0914766550 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo