ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ ካብ ዕለት 01/05/2015 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/07/2015 ከምኡ ወን ካብ 01/08/2015 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/07/2016 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቓስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ክግበር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ንክሳተፉ ይዕድም፡፡

ውሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ኦዲት

ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ ካብ ዕለት 01/05/2015 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/07/2015 ከምኡ ወን ካብ 01/08/2015 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/07/2016 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቓስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ክግበር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ንክሳተፉ ይዕድም፡፡

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒ

1. ንቤት ዕዮና (ትካልና) ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ዘለዎም፣

2. ናይ 2016 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ(ተመዝጋቢ ንዝኾነ)፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት (Tin No) ካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፣

3. ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መቐለ ከተማ/ትካል ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ፣

4. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ 212 ካብ ዕለት 11/08/ ሬ ክሳብ ዕለት 18/08/2016 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ዘይምለስ ብር 30.00(ሰላሳ ብር) ከፊሎም ምውሳድ ይኽእሉ፣

5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእተኦም ምስ ዋና /ኦርጅናል ብምግንዛብ ፋይናንሻል/ ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቕላላ ኣብ ኣርባዕተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕዱ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ሽም፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጅናል /ዋና/ን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ውሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ ቢሮ ቑፅሪ 212 ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 18/08/2016 ዓ/ም ስዓት 4:00 ከእትው ኣለዎም፡፡

6. እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፃን ኣ/ማ ቢሮ ቑፅሪ 212 18/08/2016 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4:30 ተጫረተቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣበ ዝተረኸብሉ ይኸፈት:: ኮይኑ ግና ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ናይ ምኸፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7. ቤት ዕዮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ስምራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሰኺ ሓበሬታ 0932152040 | 0938000111 | 0938000222 :

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo