ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ማይ ፀብሪ ብናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ተጠቂሙ ኣብ ከተማ ማይፀብሪ ዝረከባ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ንዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት : ናይ ኤሌክትሮኒከስ መሳርሒታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ማይ ፀብሪ

1 በቲ ዘፍር ግበሪ መንግስቲ ዝከፈልኩምን ናይ 2016 ዓም ናይ ዝመኑ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ገይርኩም ተቅርቡ

2 ናይ ግበሪ መፍለይ ቲን ናምበር ምስክር ወረቀት ዘለኩም ቅዳሕ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ናይ 2016 ዓም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ቅዳሕ ገይርኩም ክተቅርቡ ትክእሉ

4 ናይ ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴታ ታክስ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ፅሬትን መሳርሒን ኣብ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታትን እተወዳደሩ ተወዳደርቲ ናይ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓም ናይ ሒሳብ ፀብፃብ ዲክለሬሽን ዝገበርክምሉ ቅዳሕ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ናይ ኩሉ ዝተሐተተ ረቆሒ መረዳእታ ቅዳሕ ሰነድ ብፖስታ ዓሺግኩም ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ዝተማለአ መጫረተ ሰነድ ዋና ብፖስታ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወሉ መቀበሊ ሳንዱቅ አታዊ ክትገብሩ እትክእሉ

8 ናይ ተደለይቲ መወዳደሪ ረቆሒታት ዋና መረዳእታ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኪቡ ኣብ ዝተሐተተክምል ግዘ ክተቅርቡ እትክእሉ

9 ተወዳደረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ ን ፅሬት ኣቅሑትን 5000 ቅርሺ  ንናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኢ ብምክፋል ክተትሕዙ እትክእሉ

10 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 15 ተከታተልቲ መዓልቲታት ይከዉን

11 ሕፁያት ተወዳደርቲ ድሕሪ ምስዓሮም ካብ ዝሰዓረዎ ድምር ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ጨረታ ከትሕዙ ዝክእሉ

12 ተወዳደሪ ንዝሰዓሮ ንብረት ፅሬት በዘለዎን ብስፐስፊኬሽንን መሰረት ንከቅርብ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ተጠቀሚ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከከምኩነታት ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ወይድማ ዳባ ጎና ዓዲ ገብሩ ዝረከብ ቤት ፅሕፈት ኣራ ግቢ ከቅርብ ዝክእል

13 ቤት ፅሕፈትና ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ኣብ ነብስ ወከፈ ነፀላ አቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ መዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ናይዚ ዝርዝር ዝሐዘ ሰነድ ዝሽወጠሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሐፈት ልምዓት እቶትንን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕዳገጋን ንብረትን ምምሕዳርን ከተማ ዳባጎና ቤት ፅሕፈት ኣራ ግቢ ኮይኑ ዘይመለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ዕለት 11/8/2016 ዓም ክሳብ 20/8/2016 ዓም ብተካታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ ገዘ እንደመፃእኩም ክትወስዱ እትክእሉ

15 እቲ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 11/8/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 20/8/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት በቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን ዳእምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ስነ ስርዓት ጨረታ ምክፋት ኣይተዓናቀፈን ወይ ከይተከፈተ ዝምለሰ  ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን

16 ተወዳደርቲ እትመልእዎ ዋጋ ግልፅን ንፁርን ከከዉን አለዎ ስርዝ ድልዝ እንትሃልዎ ናይ ባዓል ዋና ፊርማ ክህልዎ ይግባእ ተዘይኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

17 ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነዳት ሕጋዊ ዝኮነ ማህተም ተጫረቲ ወይድማ መቅረብቲ ክዓርፎ አለዎ

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914776027 / 0938199816

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo