ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን ናይ አንፈት ሰሜን ፤ ደቡብ ፤ ምብራቕን ብዘመናዊን ደረጃኡ ዝሓለወን ዙርያ ሓፁር(መካበቢያ) ንምስራሕ ንህንፀት ስራሕ ዘድልዩ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት፤ ሓሸዋ ፤ ፀፀር 02 (ጃህያ) እና እምኒ ሰረት መንደቕ ፤ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንክዕድግ ወሲኑ አሎ፡፡

ጽርሐ ኣርያም ቅዱስ ገብሪኤል ካቴድራል ቤተ ክርስትያን

ዕለት ፤ 09/08/2016 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን ናይ አንፈት ሰሜን ፤ ደቡብ ፤ ምብራቕን ብዘመናዊን ደረጃኡ ዝሓለወን ዙርያ ሓፁር(መካበቢያ) ንምስራሕ ንህንፀት ስራሕ ዘድልዩ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት፤ ሓሸዋ ፤ ፀፀር 02 (ጃህያ) እና እምኒ ሰረት መንደቕ ፤ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንክዕድግ ወሲኑ አሎ፡፡ ስለዙይ ብውሳኔኡ መሠረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ሚያዝያ 09 /2016 ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት ሚያዝያ / 15 / 2016 ዓ/ም ሰዓት 12:30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ፤ እትወዳደሩሉ

ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታው ክትወዳደሩ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ፤ ብዕለቱ ሚያዝያ 15 / 2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1፡00 ናይ ንጉሆ ፤ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸቡሉ ጨረታ ይኽፈት፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ነገራት፤

1. ናይ ንግዲ ፍቓድ ሰርቲፊኬት ኣታሓሒዞም ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

2. ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ክወስዱ አለዎም፤

3. ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሕጋዊ ማህተም ገይሮም ከቕርቡ አለዎም፤

4. ንጨረታ መኸበሪ ብር ብጥረ ገንዘብ ብር 30,000.00 (ሰላሳ ሺሕ ብር) ከትሕዙ አለዎም፤

5. ናይ መጓዓዓዚ ዋጋ ብመቕረባይ ይሽፈን።

መተሓሳሰቢ፤- ካቴድራል ቤተክርስቲያኑ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

አድራሻ፤- ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን መቐለ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ሓወልቲ ሰማዕታት

ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ስ.ቑ. 09-14-40-62-51//09-14-76-88-99//

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo