አብ ዋና ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ናይ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት አጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ግልጋሎት ዝዉዕላ ክልተ ሚኒባስ መኪና ክራይ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ቁፅሪ 22ት/ባ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር 

ዕለት 09 /08/2016ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

አብ ዋና ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ናይ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት አጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ግልጋሎት ዝዉዕላ ክልተ ሚኒባስ መኪና ክራይ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ ። ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡

ዓይነት ዝርዝር ግልጋሎትመግለፂ/part number:በዝሒናይ ሓደ ማዓልቲ ነ/ዋጋጠ/ዋጋመብረሃ
1ናይ ሚኒ ባስ መኪና ክራይ❖ ዓሰርተ/10/ ሰዓት ትሰርሕ
❖ 12-14 ሰባት ትሕዝ፤ ምችዉቲን ጠንካራን
❖ ናይ ሽፈርን ካልኦት ወፃእታትን ብባዓል ዋና ዝሽፈን
❖ እንተተበላሽያ ሽዑንሽዑ ከምኣ ዝበለት መኪና ዝትክአ
❖ ክፍሊት በብወርሑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዝክፈል
❖ ሒሳብ ዝኸፈሎ ብዝሰርሖ መዓልቲ በዝሒ ተራቢሑ አብ መወዳእታ ወርሒ ይከዉን ። ዉዕሊ ካብ ዝተአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ን2* ወርሒ ፀኒዑ
ይፀንሕ።
❖ ክፍሊት ዝምልከት ናይ ዝሰርሐሉ መዓልቲ ተራቢሑ አብ መወዳእታ ወርሒ ዝኸፈል ይክውን ፡
❖ ናይ ስራሕ ኩነታት ካብ ህዝባዊ ባዓላትን ሰንበትን ወፃኢ እዩ
❖ ነዳዲ ዝምልከት ካብ ትካል ዝቀርብ ይከዉን።
02

ተዋዳደርቲ ክማልኡዎ ዝግበኦም ረቛ ሓታት

1. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ናይ 2016 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ሰርተፊኬትን ከምኡ እውንቲን(Tin Number) ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ምስቲ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፊርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም፡፡

3. ተወዳደርቲ እቲ ንብረት ቅድሚ ምምላኦም ኣብ ዝተባሃለ ግዜ ከቅርብ ከም ዝኸእል ክፈልጥ ኣለዎ።

4. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያን መፅዓኒን መራገፍን ናብ ቤት መዛጋጃ ስቶር ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።

5. ተወዳደርቲ እትጫረትሉ ሰነድ ካብ ቢሮና ብዝወሰድ ክምዎ ቅጥዒ ወይም ብናይ ባዓልኹም መሊእኹም ክተቕርቡ ይክእሉ እዮም ፡፡

6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 09/08/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/08/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ግዘ ምቕብይ ኸእሉ።

7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለ 11/08/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ፋይናንስን ይኸፈት፡፡

8. አብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን ተቀበልነት የብሉን።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo