ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንቤት ፅሐፈትና ግለጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ሚኒባስ መኪና መለዋወጢ , ኮንስትራክሽንን ቆርቆሮን ኣቕሓ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማሕበር መናእስይ ትግራይ

ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንቤት ፅሐፈትና ግለጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ሚኒባስ መኪና መለዋወጢ , ኮንስትራክሽንን ቆርቆሮን ኣቕሓ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ::ስለዚ ኣብዙይ ክትወዳደሩ ዝተደሊዩ ሕጋዉያን ነዚ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ንዕድም::

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

  2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

  3. ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

  4. ናይ ሚኒባሰ መኪና መለዋወጢ , ኮንስትራክሽንን ቆርቆሮን ኣቕሓ ተወዳደርቲ ዝኾንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይ ወርሒ የካቲት ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::

  5. መክበሪ ጨረታ ብረ 5000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::

  6. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 21/01/2007 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/02/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም/ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣበ ማሕበር መናእሳይ ትገራይ ይኽፈት::

  7. ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ን/ምም/ዳርን ብር 50 ንናይ ሚኒባሰ መኪና መለዋወጢ ቆርቆሮን ንናይኮንስትራክሽንን ብር 20 እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 21/01/2007 ክሳብ ዕለት 05/02/2007 ሽም "ኣድራሻ ፌርማ "ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::

  8. አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ከረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ እስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን ::

  9. መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::

  10. ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ::

  11. አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከም ዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ’ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ::

  12. ልዕሊ 10,000 /ዓሰርተ ሽሕ ብር / አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል ::

  13. መኽበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን ::

  14. ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን::

  15. ተወዳደርቲ ቕድሚ ሐዚ ዝሰርሖ ናይ ዶኩመንት ፊልሚ ሳምፕል ለቕርቡ ክኽእሉ አለዎም::

  16. መ /ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::


 


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo