ፖሊ ቴክኒኮ ኮሌጅ ማይጨዉ ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ወይ እዉን ማኒፋክቸሪንግ ኮንስትራካሽን : ዋተር ቴክኖሎጂ : ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ: መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ማይጨው

1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝተከፈለን ዝተሐደሰ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ግብሪ ከፋሊ ንምኮኑ መለለይ ከፋላይ ግብሪ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 ኣብ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገበ ምኮኑ ክሳብ 30 ለካቲት 2016 ዓም ናይ ተወሰኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ዝምለስ ንሎት ሐደ ሸዉዓተ ሽሕ ቅርሺ /7000/ :ንሎት ክልተ 3000 / ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ / : ንሎት 2000 / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / ካብ ብሂራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ኣፍልጦ ብዝተዉሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ አቀዲሞ ከትሕዝ ዝክእል

5 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኮኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ተከታታሊ 10 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ከቅርብ ዝክእል

6  ሰነድ ጨረታ ካብ 7 ሚያዚያ 2016 ዓም ክሳብ 21 ሚያዚያ 2016 ዓም ሰዓት 4:00  ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ዘይመለስ100 ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ቅደሚሰዓት ካብ ሰዓት 2:30 ክሰብ 6:30 ከምኡ ድማ ድሕሪ ቀትሪ ካብ 7:30 ክሳብ 11:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ገዜእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

7 ዝተወዳደርሉ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን መሊእኩም ከምኡድማ ዝወሰድክምዎ በዓል 26 ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጨረታ ፊርማን ማሕተምን ብምግባር ብምትሕሓዝ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ

8 ጨረታ 21 ሚያዚያ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 21 ሚያዚያ 2016 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድም ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት

9 ንሐደ ንብረት ክልተን ልዕሊኡን ክልተ ተወዳደርቲ ማዕረ ዋጋ ተመሊኦም ዳግም ክወዳደሩ ይግበር ሕዚ እዉን እዉን መዕረ እንተመፂኦም ብዕጫ ይፍለዩ

10 ኣብ ጨረታ ሲዒሩ ዉዕሊ ንምእሳር ፍቃደኛ ዘይኮነ ተጫራቲ መከበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣይምለሰሉን

11 ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ኣይፈቀድን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ድማ ብባዕል ዋና ኣብቲ ስርዝ ብፊርማ ክረጋገፅ አለዎ ኣዓርዩ ዝተባላሸወ ግና ንዉድድር ኣይቀርብን

12 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዓቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬጅ ወይድማ ብጥሙር ኣስተዉዒሎም ዋጋ ይመልእ

13 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ምስ እዚ ብተወሳኪ እዉን ሰዓርቲ ምኮንኩም ምስተነገረኩም ምስቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ ብዝተዉሃበኩም ግዝ ገደብ ኣታዊ ንክተግብሩ ነፍልጥ

ንተወሳኪ  0347770028  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo