ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልልትግራይ ዳ/ተር ፋይ/ዕደ/ንብረት ምምሕዳርን ካብ ናይ መደበኛ በጀት 2016 ዓም ናይ ጨርቃ ጨርቂ/መጋረጃ/ ኣወዳዲሩ ካስርሕ ይደሊ፡፡

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ዕለት 7/08/2016ዓ/ም

ቁፅሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/21/16 ዓ/ም

ናይ ጨርቃ ጨርቂ /መጋረጃ/ንምዕዳግ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልልትግራይ ዳ/ተር ፋይ/ዕደ/ንብረት ምምሕዳርን ካብ ናይ መደበኛ በጀት 2016 ዓም ናይ ጨርቃ ጨርቂ/መጋረጃ/ ኣወዳዲሩ ካስርሕ  ይደሊ፡፡ ስለዚ ክትወዳደሩ/ክተቕርቡ/ እትደልዩ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግበኡ ረቑሒታት እዞም ዝስዕቡ ኮይኖም ማለት ፤

✓ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ናይዚ 2016/ ዓም ዘበን ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቓዶም ዘሐደሱን

እቲ ኮፒ ምሉእ ወረቐት ኮይኑ ብንፁር ዝርአ ዘቕርቡን ''

✓ ናይ መቕረብቲ ሰርቲፊኬት ናይ 2016 ዓ/ም ዘበን ዝተሓደሰ ብንፁር ከቕርቡ ዝኸእሉ።

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ታሕቲ ዝቐረበሎም መወዳደሪ ሽምን ክታምን ኣድራሻን ዘስፍሩ ክኾኑ አለዎም፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 07/08/2016 ዓ/ም ይኸውን፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ _ ዕለት 09/08/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፣፣

✓ ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 10/08/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 2፡30 እዩ፣፣

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡

ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋሉ ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡

ዘስፍሩ ክኾኑ

ተ.ቁዓይነት ንብረትመፍለዩመለክዒበዝሒነፀላዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1ፃዕዳ መጋረጃ ብ4ሜ 2.8ሜብቑዕሪ3
2ዘንጊ/ብረት/4 ሜብቑፅሪ8
3ፃዕዳ መጋረጃ ብ3ሜ*2.8ሜብቑፅሪ5
4ናይ መካይን መጋረጃ 130ሜ× 1.15ሜብቑፅሪ17
5ናይ መካይን መጋረጃ 130ሜx 1.15ሜብቑፅሪ17
6ናይ መካይን መጋረጃ 1.30ሜ× 1.15ሜብቑፅሪ28

መተሓሳሰቢ

ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ስራሕ ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትዉ ይኸእሉ እዮም።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo