ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ ኣወዳዲሩ ልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒስን ባንባ ኣቕሑትን ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ቑፅሪ_ዕክንም 335 /2-3/1/01

ዕለት_3/8/2016ዓ/ም

ቑ/ፕሮ 58

ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ ኣወዳዲሩ ልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒስን ባንባ ኣቕሑትን ክዕድግ ይደሊ 

ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገብኩም ተኮይንኩም ናይ ቫት ናይ ዋጋ መግለፂ ዝረመዝገብኩምሉ ሴርቲፌኬት መቕረባይነትን ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርብ ብምትሕሓዝ መሊእኩም ብጋስታ ኣሺግኩም ካብ ዕለት 3/8/2016 ዓ/ም ክሳብ 7/8/2016 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 3-18 ምአራብ - ይግባእ' ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 08/8/ 2016 ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ዝቖፈት ምዃኑ ንገልፅ'

2 እቲ ዝቐርብ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን መሰረት ኦርጅናልን ክኸውን ኣለዎ

3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውዕጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፓርት ከቅርብ ዝክእል

4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተርክቡ ትክእሉ ምዃንኩም ኣረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ : ሳዓራይ ምስተበሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል ኣብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸውን

5 ኣብ ዘይዘርፉ /ዘይምልከቶ/ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ውድድር ወፃኢ ይግበር

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ጨረታ ፡ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን 7ተ ስራሕ መዓልቲታት ጥራሕ ይኸውን

7 መምልኢ ዋጋ ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 3-18 መዕኩም ውስዱ

8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ኣብ ዘውፀኦ በዝሒ ምቕናስ ፣ ምውሳኽ ከምኡ 'ውን ብሙሉእ ወይ ብክፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝድለ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-406451 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo