ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሕትመት ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሕትመት ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ተ.ዝርዝር ዓይነት ንብረትዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ (ድሌት ስራሕ)(ፅሑፍ)መለክዒበዝሒ ካሬናይ ሓደ ዋጋ ካሬጠቅላላ ዋጋ ብካሬ
1ባነርቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ MEKELLE CITY POLICE OFFICE 0344417695-0344410197 8 ካሬ ባነር ምስ መለጠፊኡካሬ8
2ንመን ትደልዩ ዝብል ባነር ኣብ ተንቀሳቃሲ ታቤላ ዝልጠፍ ባነር ምስ መለጠፊኡቁመት 2 ሜትሮ ጎኒ 1 ሜትሮ ጠቅላላ 2ካሬ ሜትር ነንሕድሕዱ ከይዲ ስራሕን ስራሕ ሓላፍነትን ዝርዝር ዝሓዘ ፅሑፍ ባነር ክፀሓፈልና ሓደ ገፅ ምስ እዝይ ኣተሓሒዝናንካሬ2

NB ተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ፖሊሰ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ (11) እንዳሚላው ብምካድ ብሳምፕል ትክክለኛ ምስሊ ብወካሊ መርኣያ ምርግጋዕ ይክኣል፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ከም ኣድላይነቱ ድማ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ከተሓሕዝ ዝኽእል ፡፡

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 03/08/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/08/2016 ዓ/ም 10፡00 ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓት 10፡30 ይኽፈት ።

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል "

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ።

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡

0344-406747/0344-408501/0344-406839

ምስ ሰላምታ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo