ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንዝሃንፆም መንበሪ ኣባይቲ ብማሽናት ሓመድ ናይ ምፍሓርን ምልዓልን ስራሕቲ ንምክያድ ስለዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቁሓታት እተማልኡ ናይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ኪራይ (Construction Machinery Rent) ፍቃድ ዘለኩም ተጫረትቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ

ቁፅሪ WO/R/ 552 /16 EC

ዕለት 0 2 /0 8 /2016 E.C

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንዝሃንፆም መንበሪ ኣባይቲ ብማሽናት ሓመድ ናይ ምፍሓርን ምልዓልን ስራሕቲ ንምክያድ ስለዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቁሓታት እተማልኡ ናይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ኪራይ (Construction Machinery Rent) ፍቃድ ዘለኩም ተጫረትቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም


1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ናይ ሰራሕ ንግዲ ፈቃድ ፣ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምኻኖም መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት(TIN) ፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእሉ::

2. ተጫረትቲ ካብ ዝመልእዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ናይ ጨረታ መኸበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo ) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ኣለዎም

3. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 200.00( ክልተ ሚኢቲ ብር ) ብምኸፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ 223 ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ::

4. ተጫረትቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብምግላፅ ቴክኒካል ( ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን ፣ቫት ሰርቲፊኬት፣ መቅረባይነት፣ ሲፒኦ ፣ ፅቡቅ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ሰርቲፌኬት ዝመሳሰሉ ) ኣብ ሓደ ፖስታ ፣ ዝጫረትሉ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድ ኣብ ካልእ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ ክልተ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ 223 ነዙይ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይኸእሉ::

5. ጨረታ ብሬድዮ ኣብ ኣየር ካብ ዝወዓለሉ ሚያዚያ 01/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሚያዚያ 5/2016 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ሳፁን ዝዕፀወሉ ሚያዚያ 7/2016 ዓ/ም ስዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት: ኾይኑ ግን ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኸፋት ጨረታ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ንምኸፋት ኣየተኣጋጉልን

6. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ መቀለ ዋና ቢሮ 0938000111/0938000222/ 0911181654 /0967568418 / 0920428865/ ምጥያቅ ይኸእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo