ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ ዘርፊ ስራሕ ፍቓድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት እተማልኡ ሕጋዊ ነጋዶ አብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም::

መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ ዘርፊ ስራሕ ፍቓድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት እተማልኡ ሕጋዊ ነጋዶ አብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም::

ብጨረታ ናይ ዝዕደግ ንብረት ዝርዝር

3ed Semi-trailers

ተ.ቑዓይነት ንብረትመዐቀኒበዝሒመብርሂ
1Digital welding Machine, Single PhasePCS3
2Mixer 3.6m3Pcs2
3Vibrator,3.75kw or 5 hpPcs2
4Hose for Vibrator Dia 38x45,Size 6MPcs2

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2015/ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ፤ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጂናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 09/04/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 23/04/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 አብ ስራሕ ሰዓት(ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሳዓት ንጉሆ 2:00 - 6:00 ድ/ቐትሪ ድማ ካብ 7:00 11:00) አብ ዘሎ ግዜ አብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኽእሉ።

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድን፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሓደ ዋጋ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 09/04/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 24/04/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ(CPO) ብር 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ ብር ) ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ።

5. ጨረታ ዕለት 24/04/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት (ዕለት 24/04/2024 ዓ.ም.ፈ በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ማዓልቲ ዕለት 25/04/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይኽፈት)፤ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተረቲ ኣብ መኽፈቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን።

6. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምንም ምኽንያት ክምልስ ኣይከኣልን።

7. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኣብ ናይ ባዕሎም ዋጋ መቕረቢ ሰነድ(Proforma) ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ።

8. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

9. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን።

10. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ውሽጢ 2ተ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን እቲ ንብረት አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቕርቡ ይግባእ፤ እዙይ እንተዘይኾይኑ ድማ ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዞዎ ሲፒኦ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡፡

12. ስዓራይ ተጫራቲ ናይቲ ዝቅርቦ ሓዱሽ ምኳኑ ኣፈትሹ ከርክብ ዝክእልን ናይ ሓደ ዓመት ዋረንቲ ከቅርብ ዝክእል፡፡

13. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ መኽበሪ (Performance Guarantee) ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ብCPO ከትሕዙ ይግባእ።

14. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይክእሉ ወይም ብ ስ.ቁ 0914708567/0914754176 ክድዉሉ ይኸእሉ

መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ትካል (MIE)

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo