ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ ንቤት ፅሕፈት መዓድንን ኢነርጅን ዝዉዕል ናይ ቦቲ ቦጥ ናይ ማይ ክራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ፁሩይ ዝስተ ማይ ምጉዑዓዝ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ ን 2008 በጀት ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ
  4. ቫት ዝተመዝገበን ናይ ጥቅምቲ ጥሪ 2008 ዓ ም ሒሳቡ ዘፍለጥሉ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቋሕታት መረዳእታ ዋንኡን ሓደ ፎቶ ኮፒኡን ከቅርብ ዝክእል
  6. ንጨረታ መክበሪ ንዘይሰዓረ ሹዑ ንሹዑ ዝምለስን መሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ተረጋጊፁ ዝቀረበ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. 20 ሜትር ኪዮብ ናይ ምትሓዝ ተክእሎ ዘለዎ ናይ ማይ ቦቲ ፅሬት ዘለዎ ቦጥ ክትከዉን ይግባእ
  8. ንማሕበረ ደቂ አብ መዓልቲ 2 ግዘ 40 ሜትር ኪዮብ ንመደቦ ንመዓልቲ 1 ግዘ 20 ሜትር ኪዮብ ከብፅሕ ዝክእል
  9. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ Â ወዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ግዘ ጀሚሩ ንተከታተልቲ 2 ወርሒ አጋዓዒዙ ከረክብ ዝክእል
  10. ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 17 ማእከላይ ዞባ ምምሕዳር ህንፃ ኣብ ምድረሪ ቤተ ይከዉን 30 እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ
  11. ተጫረቲ ተቅርብዎ ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 12 መጋቢት 2008 ዓ ም Â ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓትኣብ ከይዲ ስራሕ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  12. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 30 መጋቢት 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ይከዉን
  13. ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ 30 መጋቢት 2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይከዉን ።ኩሉ መዐቀኒ አማሊኡ ብዘይለዉሉ ንክክፈተሎም ዘመልከቱ ምትእንጋድ ከምዝከኣል ንገልፅ
  14. ቤት ፅሕፈትና መማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  15. 20 ሚኢታዊ ምቅናስ ወይዉን ምዉሳክ ከምዝከኣል ክፈልጥ ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753263 ብምድዋል ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo