ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት ወይ እዉን ጥማር ሐደ ስራሕቲ ህትመት ፡ ሎት ወይ እዉን ጥማር ክልተ መሳርሒ ፅሕፈት ፡ ሎት ወይ እዉን ጥማር ሰለሰተ ናዉቲ ቤት ፅሕፈት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ 2016 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 መክበሪ ጨረታ ንነብሰከፍ ሎት 10000 / ዓሰረተ ሽሕ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ካብ 27 መጋቢት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፅንሕ እንትከዉን ዕለት 14 ሚያዚያ 2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ዝርዝር መሰረት ከቅርብ አለዎ

9 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር

10 ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ስራሕ ይክፈት

11 ሰዓራት ትካል ብነብሰወከፍ ሎት ወይ እዉን ጥማር ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክቅርብ እለዎ

12 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ብተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo