ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ሽቃቅ ሽቃቀ ዝዉዕል ስራሕቲ ኣሉሚኒየም ማተሪያል ምስ ምግጣም ሞያ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝሐዘ

3 ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሰክቲ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉን ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

6 መክበሪ ጨረታ ብስፒኦ 20000 / ዒስራ ሽሕ / ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ዋናን ቅዳሕን ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

8 ጨረታ ካብ 11 ሚያዚያ 2016 ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

9 ተወዳዳሪ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት እዉን እስፔስፊኬሽን መሰረት መወዳደሪ ትክክለኛ ዋጋ ከቅርብ ይግባእ

10 ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉነ ቫት ከይሓወሰ ዘቅረበ ተጫራታየ ተወሳኪ አሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ከምዝሓወሰ ይዉሰድ

11 ተጫራታይ ብረቆሒ መሰረት ሲዒሩ ኦርደር ካብ ዝተዉሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር

12 ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት አታዊ ምስገበረ ሰሪሑ የረክብ

13 እቲ ቢሮ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪብዎ ኣብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይድማ ክንኪ ይክእል እዩ

14 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo