መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናትና ሓገዝ ዝውዕል ማሽላ ባሕሪ/ዕፉን፣ ፅሩይ ዓተር ክክዕን ዘይቲ ብልዒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዓዲጉ ነዚ ንምጉዕዓዝ 400 ኩ/ል ዝፅዕና 10 ዓበይቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ክካረ ይደሊ፡፡

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሀዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ኪራይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናትና ሓገዝ ዝውዕል ማሽላ ባሕሪ/ዕፉን፣ ፅሩይ ዓተር ክክዕን ዘይቲ ብልዒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዓዲጉ ነዚ ንምጉዕዓዝ 400 ኩ/ል ዝፅዕና 10 ዓበይቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ክካረ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ነዞም ቐፂሎም ዘለዉ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ሰብ ተሽከርከርቲ ክትወዳደሩ እናዓደምና ናብ ኣፅቢ ደራ/ደራ/ ግጀት፣ ዋጅራት፣ ማይጨውን ከባቢኣን፣ ሰሜን ምዕራብ መብፅሒ ኪራይ ዋጋ ፕሮፎርማ መሊእኹም ክተቕርቡ ነተሓሳስብ፡፡

ሪቑዓይነት ተሽከርካሪመዐቀኒበዝሒ ተሽከርካሪእትፅዕኖ በዝሒ ኩ/ልናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1ኣፅቢ ደራ/ደራ⁄ቑፅሪ
2ግጀትቑፅሪ
3ዋጅራትቑፅሪ
4ማይጨውን ከባቢኣንቑፅሪ
5ሰሜን ምዕራብቑፅሪ

በዝሒ /መጠን ተሽከርከርቲ ከም በዝሒ እኸሊ/ኣድላይነቱ ክውስኸ ወይ ክቕንስ ይኸእል እዩ።

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ

2. መመለይ ቑፅሪ ከፋሊ ግብሪ/T/ ሰርትፍኬት ዘለዎ

3. ተወዳደርቲ ዋጋ መሊኦም ዘምፅእዎ ፕሮፎርማ ማሕተም ፊርማን ስልኪ ቑፅሪን ብምግባር

ዝተመልአን ዝተዓሽገን ፖስታ ናብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን/ ጅብሩኽ /ዘሎ ህንፃ 2” ደብሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና የቕርቡ።

4. ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 26 - 28/07/2016 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 28/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይኸፈት።

5. ተጫረትቲ ንመኸበሪ ጨረታ ብር 5,000.00 ብሲፒኦ (CPO) መልክዕ ብሽም እቲ ኮሚቴ የትሕዙ፡

6. ብመሰረት ዝሰዓሩዎ ከቕርቡ እንተዘይክኢሎም ሲፒኦ (CPO) ናብቲ ኮሚቴ ኣታዊ ይግበር፣

7. ዕለት 30/07/2016 ተፃዒነን ሓዲረን ዕለት 01/08/2016 ናብተን ዝተጠቐሳ ቦታታት ይብገሳ፡

8. እዚ ኮሚቴ ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉኡ ናይ ምስራዝ መሰሎ ዝተሓለወ እዩ፣፣

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን/ ጅብሩኽ ዝርከብ ህንፃ 2 ደብሪ ናብ መንበረ ሰላማ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ቢሮ ቐሪብኻ ምሕታት ይከኣል ወይ ብዚ ስልኪ ቑፅሪ 0914731541፣ 0924295752፡ 0914753503 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo