ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት Electronics Materials) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት Electronics Materials) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /100.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅሪ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 25/07/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 10/08/2016 ዓ.ም እዮ ። ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን ። ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 10/08/2016 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት አንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ

ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡

8. ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ከምኡዉን ስፒኦ በበይኑ ብፖስታ ዝተአሽገ ክተቅርቡ አለኩም ።

9. እቲ ጨረታ ትሕዝቶ ዘጠቃልሎ 35% ፋይናንሻል ከምኡዉን 65% ድማ ቴክኒካል ዘጠቃለለ እዩ፡፡

10. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን።

11. እቲ ድርጅት ዝሓሸ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

́

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo