ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መሳርሒ ፅሕፈት ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መሳርሒ ፅሕፈት ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ነገራት

1. ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAI ተመዝጋቢ ዝኾነ፣ ቫት ዲክሌር ዝገበረን ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 23/07/2016ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብሲፒኦ/CPO/ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/።

4. እቲ ጨረታ ዕለት 23/07/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 03/08/2016 ስዓት 3፡00 ይዕፀዉ፡፡ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 አብ ቅድሚት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸፈት ፡፡

5. ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዘረክብ።

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺ ብሙሉእን ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝን፣ እቲ ንብረት አድላይ ኾይኑ እንተተረኺቡ 20% ናይ ምዉሳኽን ናይ ምቕናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

9.

7. ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ፈላሊኹም ንክተእትዉ ንሕብር።

8. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo