ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ት.እ.ም.ት ንቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ት.እ.ም.ት ንቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ናይ ቫትን ተርን ኦቨር ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን ናይ ኤሌክትሮኒክስን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ንምቕራብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ናይቲ ዝድለ ዓይነት ኮምፑዩተራትን ፕሪንተራትን ዝርዝር መግለፂ/ስፔስፊኬሽን ዝሓዘ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኸፋል ካብ ዕለት 26 መጋቢት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ 20 መዓልቲታት ካብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ እስካብ 16 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ሰዓት 6፡00 ናይ ቐትሪ ክትውዳደሩ ንዕድም፡፡

መቐለ ክ/ከተማ ሓድነት ኣብ ዝርከብ

ት.እ.ም.ት ጉና ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 112

ስ.ቑፅሪ 0342409723/ 0914001514

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo