ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ መሳርሒ ፅሕፈት ፡ ኣቅሑት ኮምፒተር ፡ ኣቅሑት መሳርሒ ሕርሻን ፡ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ቤት ዕዩን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ማእከል ኣድያቦ

1 ኣብ ነብሰወከፍ ዘርፊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም :  ናይ 2015 ዓም ግብሪ ከፊልኩም: ናይ 2016 ዓም ናይ ትሰርሑሉ ዘፈር ዝተሐደሰ መረዳእታ ፍቀድ ንግዲ ብቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

2 ን2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ቅዳሕ መረዳአታ ምስክር ወረቀት ክተትሕዙ እትክእሉ

3 ቅዳሕ መረዳእታ ከፋላይ ግብሪ ዘቅርብ

4 ቅዳሕ መረዳእታ ንምስክር ወረቀት ተወሳኪ አሴት ታክስ ዘቅርብ

5 ናይ ወርሒ ታሐሳስ 2016 ዓም ፀብፃብ ሒሳብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ምስክር ወረቀት ተወሳክ እሴት ታክስ መቅረባይነት ናይ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ናይ ወርሒ ታሐሳስ 2016 ዓም ፀብፃብ ሒሳብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ብግልፂ ብዝረኣ ቅዳሕ ክከዉን አለዎ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ፖስታ ነንበይኑ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ መፍለይ ምልክት ብምግባር ከቅርብ ዝክእል

8 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

9 ከይዲ ጨረታ ብዘይኣገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሕትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ዘብፅሕ ስጊምቲ ዘስዕብ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ

10 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልእ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣፈላላይ ክህልዎ የብሉን ኣፈላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባለነት ይህልዎ

11 ተጫረቲ ዋጋ እንተመልእ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን

12 ንምዉሳን ኣፀጋሚ ዝኮነ ስርዝ ድልዝ እንተጋጥም እቲ ተጫራታይ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

13 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ዝተሰርሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ : ንመሳርሒ ኣቅሑት ኮምፖተር 10000  : ንኣቅሑት ቢሮን ገዛን 5000 ቅርሺ : ብተመሳሳሊ ንኣቅሑት መሳርሒ ሕርሻ 5000 ቅርሺ ክትሕዝ ዝክእል

14 ናይ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ካብ ዕለት 23/7/2016 ዓም ክሳብ 7/8/2016 ዓም ሰዓት 11:30 ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረትን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ እንዳመፁ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

15 እቲ ጨረታ 7/8/2016 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ይክፈት ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ንምክፋት ኣይተኣጎጎልን

16 ዝሰዓረ ተወዳዳሪይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ መፅዓንን መራገፍን እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲሃገራይ ክቅርብ ዝክእል

17 ሰዓራይ ወይ መቅረባይ ዝፈለጠሉ ብዘሎ ድሌት መሰረት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ይከዉን

18 ተወዳዳሪ ሰዒርካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉዕኢት ብስሩዕ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ ቅሬታ መቀበሊ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓለቲታት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ክፍርምን መክበሪ ዉዕሊ ጠቅላላ ናይ ዘሸነፎ ንብረት 10 ሚእታዊ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ዝተሰርሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

19 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0949440110 / 0943661422

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo