ቤት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ወረዳ ፅምብላ ኣብ ጣቢታት አሎጊን ደብረማሪያምን ምዕባለን መንገዲ ክንሰርሕ ንደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ

ጨረታ ብሬደዩ ዝተጋወሐሉ : 22/7/2023

1 ናይ 2016 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ኣብ ኮንስትራክሽን ዝተመዝገቡ ምካኖም ዘመላክት መለለይ ቁፅሪ : መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ምስክር ወረቀት ምዝገባ ተወሳኪ አሴት ታክስ ኣብ መቅረባይነት ዕድጊት መንግስቲ ምህላዎም ዘረጋግፅ ምስክር ወረቀት  : ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ አዋርሕ ማለተ እዉን ወርሒ ጥቅምቲ  : ሕዳርን  : ታሕሳስን ወይድማ ዘለዎ ብርኪ ዘገድዶም ናይ ወርሒ ለካቲት ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዘቅረብሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅረቡ ይግባእ

2 መከብሪ ጨረታ ንብስወከፍ 20000 /ዒስራ ሽሕ ቅርሺ/ ብስፒኦ ከቅረቡ ይግባእ

3 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 19/7/2016 ዓም ክሳብ 26/7/2016 ዓም ካብ ቤት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ወረዳ ፅምብላ

4 ሰዓራይ ጨረታ ዉፅኢት ጨረታ ዕላዉ ምስተገበረ ቅርታ ዘቅርቡ ማዓለቲ ምስተወደን ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ማዓልቲታት መክበሪ ጨረታ 10 ሚእታዊ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ሒዞም ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስረሉ አለዎም

5 ሰዓራይ ጨረታ ጠቅላላ እቲ ስራሕ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲታት ወዲኡ ከረክብ ይግባእ

6 ተጫራታይ ብቅዑ ልምድን ዓቅሚ ዘለዎን ምካኑ መረጋገፂ ከቅርበ አለዎ

7 ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስራሕቲ መንገድን ተፋሰስን እንተናአሰ ናይ ኣርባዕ ሚሊዩን ቅረሺ ፕሮጀክት ሰሪሒ ዘረከበ ምካኑ ካብ ዝሰርሕዎ ትካል መረዳእታ ከቅርብ አለዎ

8 ሰዓርቲ ጨረታ ንመጀመሪ ስራሕ ዝከዉን ንነብሰወከፍ ፕሮጀክት እንትናአሰ 300000 / ሰለስተ ሚአቲ ሽሕ/ ዘለዎም ምካኑ ብኣድራሻና ንቤት ፅሕፈትና ዝተፅሓፈ መረዳእታ ባንኪ ከቅርቡ አለዎም

9 ካብ ጠቅላላ ዋጋ ኮንትራት ክሳብ 30 ሚእታዊ ቅድመ ክፍሊት ይክፈል

10 ተጫረቲ ነቲ ዝስራሕ ንምስራሕ ዘድልዩ ዳምፕ ትራክ ወይድማ ሲኖትራክ 16 ሚትር ኩዩብ ናይ ባዕሉ ፒካፕ እንተሃልዎ መረጋገፂ ማንነት ቅዳሕ መረዳእታ ሌብሬ አብቲ ሰነድ ከተሓሕዝ ይግባእ

11 ተካሪዩ ዝሰርሕ እንተኮይኑ ድማ ዉዕሊ ዝአሰረሉ መረዳታ ተታሓሒዙ ክቀርብ ይግባእ

12 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ቅድሚ ምእሳሩ ነቲ ስራሕ ዘድልዩ ማሽናት ሎደር : ሎራር : ኤክስቫራተር : ሻወር ትራክ : ግሪደርን ካልኦትን ከምዘቅርብ መረጋገፂ መረዳእታ ክህልዎ አለዎ

13 ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት ካብዞም ዘማለኡ ተጫረቲ ድምር ትሑትዋጋ ዘቅረብ ሰዓራይ ይከዉን

14 ዝተሰርሐ ዝርዝር ስራሕ ብበዓል ሞያ እናተረጋገፀ ብዝተቀመጠ ነፀላ ዋጋ ተገቢጡ ክፍሊት ይፍፀም

15 መወዳደሪ ዋጋ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 መዓልቲታት ይፀንሕ

16 ተጫረቲ ዘቅርብዎ መወዳደሪ ሓሳብን ዋጋን ፈረምኦም : ዕለት :ማሕተም ትካሎም ከስፍሩ ይግባእ

17 መወዳደሪ ዋጋ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ጥራሕ ክመልእ ይግባእ

18 ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ነፀላ ዋጋን : ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክፈጥር ብዘይክእል መንገዲ ክቅመጥ አለዎ

19 አፈላላይ እነተሃልዎ ብነፀላ ዋጋ ዝተመለአ ተቀባልነት ይህልዎ

20 ተጫረቲ ቴክኒካዊ ሰነድ ሰነድ ፕሮፎርማ ዋና መረዳእታ አብ ሐደ ፖስታ : ሰነድ ቴክኒክን ፕሮፎርማን ክልተ ቅዳሕ ገይሮም ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብጠቅላላ ኣብ ሰለሰተ ዝተፈላለዩ ፖስታት ተዓሺጉ ሰለስቲኦም ፖስታት ድማ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ከቀርበ ይግባእ

21 እቲ ሰነድ ክሳብ 26/7/2016 ዓም ረፋድ ሰዓተ 4:00 ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣታዊ ክገብሩ ይክእሉ

22 ዝኮነ ተጫራታይ ቅድሚ መዕፀዊ መዓልቲን ሰዓትን ምዉድኡ ሰነድ ኣታዊ ክገብር ትፅቢት ይግበር : ካብዚ ወፃኢ ንዝቀርበ ሰነድ ተቀባለነት የብሉን

23  እቲ ጨረታ 26/7/2016 ዓም ረፋድ ሰዓተ 4:00 ተዓፅዩ ኮሜቴ ጨረታ ወይድማ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት

24 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo