ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዌብሳይትን ሎጎን ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዌብሳይትን ሎጎን ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ነገራት

1. ናይ 2016 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAT ተመዝጋቢ ዝኾነ፣ ቫት ዲክሌር ዝገበረን ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 20/07/ 2016ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብሲፒኦ/CPO/ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/፡፡

4. እቲ ጨረታ ዕለት 20/07/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/07/2016 ስዓት 3፡00 ይዕፀዉ፡፡ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ኣብ ቅድሚት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት ፡፡

5. ነቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 30 ተኸታተልቲ መዓልቲ ሰሪሑ ክውድእ ዝክእል።

6. እቲ ጨረታ ብፋይናንሻልን ቴክኒካልን መዳይ ስለዝርኣይ ብክልቲኡ ፈላሊኹም ክተቅርቡ ንሕብር።

7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

8. ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ።

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo