ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን ክልል ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን ክልል ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ዘማላእኹም ክትወዳደሩ ይዕድም።

✓ በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሓደሰ መቕረባይነት መፍለይ ቁፅሪ/ቲን/ ከቕርብ ዝኽእል ፡፡

✓ ተወሳኺ እሴት ተክስ ዝተመዝገበን ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ዝሓለፈ 3 ወርሒ ወይ

ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ዘቕርብ፡፡

✓ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብስም ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ሒሳብ ቁፅሪ 1000538910318 አታዊ ብምግባር ካብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ኣብ ሐበራዊ/ኮምፕሌክስ/ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቑፅሪ ቢሮ 59 ካብ ዕለት 19/07/2016 ክሳብ 30/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት እናመፃእኹም ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳፁን ክተእትው ትኸእሉ ።

✓ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ 20,000.00 /ዒስራ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ትኽእሉ።

✓ እቲ ጨረታ ዕለት 30/7/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ፣ ኣብቲ | ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 1ይ ደብሪ ቑፅሪ 59 ይኸፈት ፡፡ተጫራቲ ወይ ወከልቶም እንተዘይተረኸቦም እቲ ጨረታ ምኸፋት ኣይታዓናቐፍን ፣

✓ ስዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ቅሬታ መቐበሊ 3 መዓልቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ስራሕ ውዕሊ ክፍርም መኸበሪ ውዕሊ ዘትሕዝ ፡፡

✓ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ቢሮና አታዊ ዝገብር፣

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ መወዳደሪ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካልሽምን ኣድራሻን
ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ፣

✓ ከም አድላይነቱ ካብ ነፈሲ ወከፍ ነፀላ አቕሓ ክሳብ 20% መሰል ምቕናስ ወይ ምውሳኸ ዘለዎ ምኳኑ፣

✓ ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0342400129 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ፡፡

ምስ ሰላምታ
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo