ኣብ ከተማ ሸራሮ ምምሕዳር ኣልጋነሽ : ሙሴን : ሰደረን በቢጣቢዩ ፅሩይ ዝሰተ ማይ ክዝርጋሕ ስለዝተደለየ ነዚ አገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለየ ናይ ማይ ቡንባ ማለተ እዉን ናይ ፅሩይ ዝሰተ ማይ መቀያየሪ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ብገባሪ ሰናይ ትካል ፕሮጀከት ልምዓት ምላሽ ፅዕንቶ ስደተኛታት ማለት DRIP 2 በጀት ዝምዉል ብከባቢያዊ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ

1 ናይ ማይ ቡንባ ማለት እዉን ፅሩይ ዝሰተ ማይ መለዋወጢ ኣቅሑት ሳኒተሪ መሳርሒ ህንፃ ናይ ክልቲኡ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድንግዲ ዘለዎምን ብቅዳሕ መረዳአታ ከቅረቡ ዝክእሉን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ብቃዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

3 ናይ በጀት ዓመት 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ዘቅርቡ

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝኮኑን መረዳእታ ብቅዳሕ መልክዕ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሐሳስ 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ኩሎም መረዳእታት ንፁርነት በዘለዎም መልክዕ ክቀረቡ ይግባእ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሐ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ተፈልዩ አብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ዝል ኣብ ዝባን ፖስታ ተፃሒፉ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሩ ብምዕሻግ ኣብ ነብስ ወከፍ ፖስታ ማሕተም ሽምን ኣድራሻን ብምግባር ናብ ብሽም እተን ጣቢያት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ተእትዉ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና በቢጣብዩ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ 30000 / ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብነብሰ ወከፈማሕበር ሰብ ኮሜቴ ዕደጋ ማለት ብሽም ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከባ ጣቢያታት አልጋነሽ ሙሴ ሰድር ክትሕዙ ዝክእሉ

9 ትሕጃኩም ብስፒኦ ተዝከዉን ይምረፅ

10 ክፍሊት ዝፍፀም ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ኮይኑ እቲ ዝድለ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ብዝሰዓረዎ ድሕሪ ምእታዉ ኩሎም ናይ ክፍሊት ዘድልዩ ሰነዳት እንተማልኡ ዝፍጸም ይከዉን

11 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ዝወዳደሩ ኮይኖም ዝመልእዎ ዋጋ ንፁርነት ክህልዎ ይግባእ

12 ስርዝ ድልዝ እንተጋጥም ብንፁር ተስተካኪሉ ሽም ፊርማን ኣብ ጉኑ ክዓርፎ ይግባእ

13 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልእ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላለይ ክህልዉ የብሉን አፋላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባለነት ይህልዎ

14 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ 19/7/2016 ዓም ክሳብ 4/8/2016 ዓም መዕፀዊ ሰዓት እስካብ ዝኣክል ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናመፁ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ንነብስወከፈ ሰነድ ብምክፋል ሰነድጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

15 እቲ ጨረታ 4/8/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተወዳደረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ይክፈት

16 ሰዓራይ ወይ መቅረባይ ዝፍለ ድሕሪ ግምጋም ጨረታ ኮይኑ ንምድብ ወይድማ ድምር ዝተሐተተ ዋጋ ካብ ዝመልአ መቅረባይ ኮይኑ ተወዳድርቲ ንነብድወከፍ ንብረት ናይ ምምላእ ግቡእ ዘለወም ኮይኑ ሐደ ዓይነት ንብረት ከይተመሉአ እንተርፍ ግና ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

17 ተወዳደርቲ ሽም ትካልን ኣድራሻ ከምእዉን ፊረማ ክገብሩ አለዎም

18 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስሩ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ ን 7 ተካታተልቲ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን ዉዕሊ ካብ ዝአሰሮ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ ናየ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት ኣታዊ ዝገብር

19 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል ብሽም እተንዝተገለፃ ነብሰወከፈ ጣቢያታት ከተማ ሸራሮ ብዝሳዓሮ መሰረት ከትሕዝ ዝክእል ሕዝዉን ትሕጁ ብስፒኦ ተዝከዉን ይምረፅ

20 ዝሰዓረ ተወዳዳሪይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ከተማ ሸራሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ አታዊ ዝገብር ከከዉን አለዎ አታዊ እንተዘይ ገይሩ ብምምርሒ ዕደጋ 5/2005 መሰረት ዝቅፃዕ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ

21  ድሕሪ ምክፋት ጨረታ ዋጋ ፂኑዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተናአሰ 45 መዓልቲ ይከዉን

22 እቲ ማሕበረሰብ ዕደጋ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914259231 /  0912995394

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo