ኣብ ማእኸል ህንፀት መሰልጠኒ መናእሰይ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም 2ይ ዙር ግልፂ ጨረታ ካብ ዝተመደበልና በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተሪያል /ንብረት/ዕድጊት ንምክያድ ናይ ፅሕፈት መሳረሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ናይ ሕትመት መሳርሒ፣ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ፣ ናይ ማይ መሳርሒ፣ ናይ ሳፌታ ጨርቃ ጨርቂ መሳርሒ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሕት፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒን ናይ ፈርንቸር ኣቁሕትን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም ።

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ማእኸል ህንፀት መሰልጠኒ መናእሰይ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም 2ይ ዙር ግልፂ ጨረታ ካብ ዝተመደበልና በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተሪያል /ንብረት/ዕድጊት ንምክያድ ናይ ፅሕፈት መሳረሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ናይ ሕትመት መሳርሒ፣ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ፣ ናይ ማይ መሳርሒ፣ ናይ ሳፌታ ጨርቃ ጨርቂ መሳርሒ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሕት፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒን ናይ ፈርንቸር ኣቁሕትን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም ።

ተጫረትቲ ከማልእዎም ዝግባእ ሮቋሒታት

1. በቲ ዝተጠቐሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ/ዋ/፤

2. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት መረዳእታ ዘቕርቡ፤

3. ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ ቁፅሪ /tin No/ዘለዎ/ዋ/፤

4. ናይ VAT ተመዝገብቲ ሰርተፊኬት ዘቕርብ ።

5. ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም ናይ ተኸታታሊ ወርሒ ዲክለረሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፣ 

6.  እዚ ዝስዕብ ጨረታ መኽበሪ /Bid Bond/ ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

ተ/ቁዓይነት ዘርፊጨረታ መኸበሪሰነድ መሽጢመብረሂ
1ናይ ፅሕፈት መሳርሒታት5000200
2ናይ ፅሬት መሳርሒታት4000200
3ናይ ሕትመት መሳርሒታት10000200
4ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሕታት4000200
5ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሕታት16000200
6ናይ ማይ መሳርሒታት4000200
7ናይ ሳፌታ ጨርቃ ጨርቂ መሳርሒታት10000200
8ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሕት4000200
9ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት35000200
10ናይ ፈርንቸር ኣቈሕት25000200

7. ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማ/ህ/መ/መ/ትግራይ ክትሕዝ ዝኽእል

8. ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐለካ ብዕለት 16/07/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 26/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ ዓዲ ሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተኻረናዮ ቢሮ 1ይ ደብሪ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ቕዳሕን ነንበይኑ ኾይኑ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዓዲ ሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተኻረናዮ ቢሮ 1ይ ድብሪ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታዉ ይኽእሉ፤

9.  እቲ ጨረታ ዕለት 26/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓዕዩ በቲ ዕለት 26/07/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ዓዲ ሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተኻረናዮ ቢሮ 1ይ ድብሪ ተረቲ/ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት።ኣብቲ ዝተብሃለ ቦታን ሰዓትን ተጫረቲ ወይ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኺቡ ኣብ ዘየለዉሉ ይኸፈት::

10. ሰዓራይ ጨረታ ንመክበሪ ዉዕል ጨረታ ዝክእል።

11. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት 10% ናይ ዝሳዓርዎ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ክትሕዝ ንዘይኣቕረበ መቕረባይ በቲ ናይ ወረታ ደንቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር እናተቐፅዐ ንብረት ኣታዊ ይገብር::

12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 30 መዓልቲ ይኸዉን፣

13. ተወዳዳሪ ጨረታ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ግልፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ፣ ፌርምኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ ድርጅት ብትኽክል ዘየቐመጠን ጨረታ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ እንተልይዎን ካብቲ ጨረታይ ስረዝ::

14. ተጫረቲ ናይ ሕድ ሕድ ዋጋ ምስ ቫቱ መሊእኹም ንኸተቕርቡ ነፍልጥ:: ምስ ቫቱ እንተዘይመሊእኹም ተወሳኪ ኣሴት ታክስ ከም ዝመለአ ይቑፀር።

15. ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3/ሰለስተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10(ዓሰርተ) ተኸታተልቲ መዓልቲ ንብረት ብሙልኡነት ብናይ ባዕሉ መጓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ትካልና ከቕርብ ዝኸእል፤

16. ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብዝኣዘዞ መሰረት ይፍፀም ።

17. ቤት ፅሕፈትና 20% ካብ ሕድ ሕድ ኣይተም /ሎት/ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕልዉ እዩ።

18. ትካልናዝሓሸመማራፂእንተረኺቡእቲጨረታብሙሉእይኩንብክፋልናይምስራዝመሰለ ሕልውእዩ ።

19. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0341412505 /0930547711/0914479591 ይደዉሉ።

መምርሒ ተጫረቲ

ኣብ ማ/ህ/መ/መ/ትግራይ ናይ 2ይ ዙር ግልፂ ጨረታ ንስልጠና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት መሳረሒ፣ ናይ ሕትመት መሳርሒ፣ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ፣ ናይ ማይ መሳርሒ፣ ናይ ሳፌታ ጨርቃ ጨርቂን፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሕት፡ ናይ ኤለክትሮኒክስ መሳርሒን ናይ ፈርንቸር ኣቁሑትን ካብ ሎት ክሳብ ሎት 10 ዘለዉ ዘርፊ ዝተዘርዘሩ ከቕርቡ ዝኸእሉ።

1. ማ/ህ/መ/መ/ትግራይ ዳይ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ር መምርሒ ተረቲ እተኸብሩ ነጋዶ ክትወዳደሩ ብከብሪ ይዕድም።

2. በቲ መስመር ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ።

3. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መትረባይነት ምስክር ወረቐት ከቅርቡ ዝክእሉ።

4. ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለዪ ቁፅሪ (TIN NO) ከቅርቡ ዝክእሉ።

5. ናይ VAI ተመዝገብቲ ሰርተፊኬት ምስክር ዘቕርብ።

6. ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም ናይ ተኸታታሊ ወርሑ ዲክለር ዝገብረሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ።

7. መኸበሪ ጨረታ cpo ከትሕዙ ዝኽእሉ

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከዉንን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዕደጋ ናይ መንግስቲ ከይሳተፍ ከም ዝግበርን ንዘትሓዝዎ መኸበሪ ጨረታ ከም ዝወረስን ፈሊጦም ስርዓት ጨረታ ኣክብሮም ዝኣትዉ።

9. ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን ።

10. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐለ 30 መዓልቲ ይከዉን።

11. ሰዓርቲ ድሕሪ 3' ናይ ቅሬታ መዓልቲ በቲ ዝቀረበ እስፔስፊኬሽን መሰረት ዉዕል ኣሲሩ መክበሪ ጨረታ 10 % ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ዝክእሉን

12. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ጉቡኡ ዘይፈፀመ ተወዳዳራይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር እናተቐፅዐ ጉቡኡ ይፍፅም::

13. ተጫራታይ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀለ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3/ሰለስቲ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10(ዓሰርተ) ተኸታተልቲ መዓልቲ ንብረት ብሙልኡነት ብናይ ባዕሉ መጓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ትካልና ከቕርብ ዝኽእል፣

14. ኣብ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳረሒታት ናይ 1 ዓመት/ጋራንት/ውሕስና ከትሕዙ/ክህቡ/ ዝኸእለ

15. ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ብዘሎን ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሕን ብዝእዝዞ መሰረት ይፍፀም።

16. ተወሳኪ ኣሴት ታክስ ተሤራታይ ዘቅረቦ ናይ ሕድ ሕድ ዋጋ ምስ ቫቱ መሊእኹም ንኸተቕርቡ ነፍልጥ::ምስ ቫቱ እንተዘይመሊእኹም ተወሳኪ ኣሴት ታክስ ከም ዝመለአ ይቑፀር።

17. ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ጨረታ ዝህሊ ጥርዓን ኣብ ቢሮና ዝቀርብ ኮይኑ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ይቀርብ።

18. ቤት ፅሕፈት ናይ 20% ካብ ሕድ ሕድ ኣይተም /ሎት/ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰለ ሕልዉ እዩ። 19. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መመራፂ ተረከቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕለውእዩ። 20. ንተወሳኪ ሓበሬታ ቁ ስ 03 41 41 25 05/0930547711/0914479591 ይደውሉ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo