ኣብ ማእከል ህንፀት መሰልጠኒ ማናእሰይ ትግራይ ኣብ 2016 ዓም 2ይዙር ጨረታ ካብ ዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተሪያል ዕድጊት ንምክያድ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን: ናይ ፅሬት መሳርሕን : ናይ ሕትመት መሳርሒ : ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒ : ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ : ናይ ማይ መሳርሒ : ናይ ሳፌታ ጨረቃ ጨርቂ መሳርሒ : ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት : ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒን ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑትን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ማእከል ህንፀት መሰልጠኒ ማናእሰይ ትግራይ

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ/ዋ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ /ዎ

4 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ሰርተፈኬት ዘቅርብ

5 ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም ናይ ተከታታሊ ወርሒ ዲክለረሽን ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 እዚ ዝስዕብ ጨረታ መክበሪ /ቢድ ቦንድ/ ክትሕዙ ዝክእሉ

ተቁ

ዓይነት ዘርፍ

ጨረታ መከበሪ

ሰነድ መሸጢ

1

ናይ ፅሕፈት መሳርሒታት

5000

200

2

ናይ ፅሬት መሳርሒታት

4000

200

3

ናይ ሕተመት መሳርሒታት

10000

200

4

ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒታት

4000

200

5

ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒታት

16000

200

6

ናይ ማይ መሳርሒታት

4000

200

7

ናይ ሳፌታ ጨርቃ ጨርቂ መሳርሒታት

10000

200

8

ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት

4000

200

9

ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት

35000

200

10

ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት

25000

200

7 ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ማ/ህ/መ/መ/ትግራይ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ካብ ዕለት 16/7/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 26/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኣብ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

9 እቲ ጨረታ ዕለት 26/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 26/3/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣበ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኣብቲ ዝተብሃለ ቦታን ሰዓት ተጫረቲ ወይ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኪቦም ኣብ ዘየለዉሉ ይክፈት

10 ሰዓራይ ጨረታ ንምከበሪ ዉዕል ጨረታ 10 ሚእታዊ ናይ ዝሰዓርዎ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

11 ብኣሸናፍነት ተመዝገቡ ብእዋኑ ኣቁሑት እንተዘይኣቅረበ መቅረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደነቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር እናተቀፅዐ ንበረት አታዊ ይገብር

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 30 መዓልቲ ይከዉን

13 ተወዳደሪ ጨረታ ኣብ ዘቅርቦ ናይ ግ/ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፌርምኡን ኣድራሻኡን ማህተም ናይቲ ድርጅት ብትክክል ዘየቀመጠ ጨረታ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ እንተልዎን ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

14 ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ምስ ቫቱ መሊእኩም ንክተቅርቡ ነፍልጥ:: ምስ ቫቱ እንዘተይመሊእኩም ተወሰኪ እሴት ታክስ ከም ዝመለእ ይቁፅር

15 ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ መዓልቲ ንብረት ብሙሉእነት ብና ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዓዲ ሓቂ ኣብሲኒያ ባንለኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ክቅርብ ዝክእል

16 ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255 /2007 ዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብዝኣዘዞ መሰረት ይፍፀም

17 ቤት ፅሕፈትና 20 መእታዊ ካብ ሕድሕድ ኣይተም ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወእዩ

18 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስቁ 0341412505 / 0930547711 / 0914479591

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo