ማሕበር ልምዓት ትግራይ Deployement and Implementation of Organizational Capacity Development and Standardization ዝብል ርእሲ ዝሐዘ ፕሮጀክት ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት አወዳዲሩ ከስርሕ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ

2 መለለይ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ኮፒ

3 ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ጥቅምቲ ወርሒ 2016 ዓም ዲክለራሲዩን ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ዝተሐደሰ ምዝገባ መቅረባይነት 2016 ዓም

5 ጨረታ መከበሪ ሰነድ ብስፒኦ ብር 5000 ከቅርብ ዝክእል

6 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ማሕበር ልምዓት ትግራይ / ጥቃ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የሃንስ / ቢሮ ቁፅሪ 150  እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ብር 100 ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ደክመንት ማህተምን ገይሮም ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ብምፍላይ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ካብ 16/6/2016 ዓም እስካብ 30/7/2016 ዓም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቢሮ ቁፅሪ 135  ዝርከብ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ

8 እዚ ጨረታ ስዒርካ ተብሃሊ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዘየመትእ ዉዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 6 ወርሒ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

9  እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምካኑን ዘይምካኑን ብንፁር ክቅመጥ አለዎ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሲቡ ይግበር

10 ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተም እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ

11 ትካልና 20 ሚእታዊ ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምዉሳክን ይክእል

12 ማልት እቲ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እዚ ጨረታ ዕለት 30/7/2016 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00  ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ትይክፈት

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo