ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌከትሪክ ኣቅሑት : ናይ ስፖርት ዕጥቅን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ አገልግሎት ክረክብ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ወረቀት ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርቡ

4 ናይ ጥሪ ታሕሳስ 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኮኖም ሕጋዊ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 5 ካብ 16/7/2016 ዓም ክሳብ 4/8/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ዋና ሐደ ቅዳሕን ነንብይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ አብ ልዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእሽም ናይቲ ትካል ኣድራሽ ስልኪ ቁፅሪ ናይምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑን ናይቲ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ

8 ተጫረቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ኤሌክትሪክ 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅRቡ ዝክእሉ

9 እቲ ጨረታ 7/8/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅ/ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝክፈት ከይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮይኑ ተወሳኪ አሴት ታክስ ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲታት ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ሰዓራይ ምስተፈለይ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ፕርፎርማንስ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዉዕሊ መከበሪ የቅርብ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0934824000 / 0914701770 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo