ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብናይ SLMP 3 በጀት ዝክፈል ንቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ጨረታ ብሬዲዩ ዝተጋወሐሉ ዕለት : 17/7/2016 ዓም

1 ናይ መሳርሒ ህንፃ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም:  ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም: ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም  :  ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ተወሳኪ እሴት ታክስ  /ቫት/ ረጅሰርት ዝኮንኩም  ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ቫት ድክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ቫት ምዝገባ :  ወረቀተ ምስክር ዝተሐደሰ መቅረባይነት  :  ናይ ወርሒ ታሕሳስ  ቫት ዲክለረሽን  : ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ  ቁፅሪ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ

5 ተጫረቲ ቅዳሕ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ምልክታ ብምግባር ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

7 ከይዲ ጨረታ ብዘኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

8 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

9 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ 15100 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

10 ተጫራቲ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ መቅረቢ ብቆንቆ ትግርኛ ይከዉን

11 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 3/7/2016 ዓም ክሳብ 30/7/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ

12 እቲ ጨረታ 30/7/2016 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

13 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ብመሰረት ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመልእ መቅረባይ ይከዉን

14 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ዘለዎ ፓራፍ ክግበረሉ ወይ ክፍረመሉ አለዎ

15 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሽል ዉፅኢቱ ብስሩዕ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን : ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

16 ሰዓራይ ተወዳዳራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 5 አታዊ ዝገብር

17 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 ተከታተልቲ መዓልቲ ይከዉን

18 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo