ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ስፔር ፓርት ባትርን ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ፣ ከምኡ እዉን ማይ ብቦቲ ከቅርብ ዝኽእል ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ስፔር ፓርት ባትርን ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ፣ ከምኡ እዉን ማይ ብቦቲ ከቅርብ ዝኽእል ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 16-18/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 19/07/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን።

ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

  •  አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
  •  ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
  •  ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo